ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ መዳጎኒ ማእከላት ሊብያ ዝርከቡ ስደተኛታት መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ይገልጹ


መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ
መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ሊብያ

ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪቃ ተበጊሶም ብሊብያ ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ዝጉዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ጉዕዞኦም ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተዓናቒፉ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ከተማ ትሪፖሊ ክጸንሑ ዝተገደዱ፡ ኣብ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት እታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ኣጸጋሚ ምኳኑ ይገልጹ።

ኣብ ዋና ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ዝርከብ ጣሪቕ ኣል ሰካ ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት አለው፡ ኣብዚ መዳጎኒ ማእከል ዘለው ስደተኛታት ከም መደቀሲ ዝአመሰለ መሰረታዊ ማህበራዊ ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ይግለጽ።

ብተወሳኺ ሰበ ስልጣን ሊብያ ምስ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ብምትሕብባር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ይመልሱ።

እዚ ስደተኛታት ብወለንትኦም ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ፕሮግራም ስደተኛታት ብነፋሪት ናብ ሃገሮም ክምለሱ የፍቕድ እንተኾነ ገለ ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይደልዩን።

ሱዳናዊ ስደተኛ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዘይደልዩ ኮይኑ ምክንያቱ ድማ ከምዚ ክብል የረድእ።

“ኣብዚ ቦታ ክልተ ወርሒ ጌረ አለኹ። ኣነ ሕቡራት ሃገራት ዕድል ሂቡኒ ናብ ካልእ ሃገር ክጣየስ እየ ዝደልይ። ናብ ሃገረይ ክምለስ ኣይደልይን ምክንያቱ ኣብ ሃገረይ ቀጻሊ ግጭትን ኩናትን አሎ፡ ኣብኡ ክነብር ኣይደልይን። ኩሎም ስድራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ሱዳን እዮም ዘለው።”

ሕብረት ኣውሮጳን ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰበ ስልጣን ሊብያ ብምትሕብባር ነቶም ስደተኛታት ሓገዝ የበርኽቱ አለው፡ እንተኾነ ሰበ ስልጣን ሊብያ እቶም ስደተኛታት ተዓቑቦምሉ ዘለው መዳጎኒ ማእከላት ንቁጽሪ ሒዞሞ ዘለው ስደተኛታት ክሕዙ ኣይኽእሉን እዮም ይብሉ።

ሓላፊ ሓደ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝኾነ ሁስኒ ኣቡ ኣያና ብወገኑ ”ገለ ካብቲ ኣብዚ ቦታ ዘጋጥም ጸገም እዞም ስደተኛታት ኤምባሲ ሃገራቶም ምሳና ክዘራረቡ ፍቓደኛ ምስ ዘይኾኑ መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ ይገብሩ። ኣብ ገለ እዋን እዞም ኤምባሲታት ድሕሪ ነዊሕ እዋን እዮም መልሲ ዝህቡ ስለዚ እዚ ሓደ ካብቲ ዘጋጥመና ጸገም እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ናይ ኣገልግሎት ሕክምና ጸገም የብልናን ምክንያቱ ገለ ሓካይምን ኣምቡላንስን አለና” ይብል።

ኣብ መንጎ ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ሃገራት ኣፍሪቃን ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምግታእን ኣብ ስደተኛታት ዝበጽሕ ዓመጽ ንምጉዳልን ዝብል ስምምዕ እንተተበጽሓ ክሳብ ሕጂ ዝተዓወተ ኣይመስልን ክብል ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ምፍላጡ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG