ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝበዝሕ ኽፋል ናይ ዓረብ ዓለም ብሰልፊ ክናወፅ ውዒሉ


ሕዚ ካብ ትሪፖሊ ወፃኢ ናብዝርከብ ምዕራብዊ ሊብያ ምንቅስቓሶም ብምስፋሕ ዓመፅቲ ቤንጋዝን ዝበዝሕ ኽፋል ምብራቓዊ ሊብያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ኣእትዮምወን።

ናህሪ ፀረ መንግስቲ ምንቅስቓስ ኣብዝሓየለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝበዝሕ ኽፋል ናይ ዓረብ ዓለም ድሕሪ ናይ ዓርቢ ፀሎት ብህዝባዊ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ክናወፅ ከምዝወዓለ ተፈሊጡ።

ኣብታ ማእኸል ምንቅስቓስ ዓመፅ ኮይና ዘላ ቤንጋዚ ሊብያ ነቲ ኣገዛዝኣ ካብ ስልጣኑ ከምዝድርብይዎ ድምፆም ከስምዑ ውዒሎም።

ሕዚ ካብ ትሪፖሊ ወፃኢ ናብዝርከብ ምዕራብዊ ሊብያ ምንቅስቓሶም ብምስፋሕ ዓመፅቲ ቤንጋዝን ዝበዝሕ ኽፋል ምብራቓዊ ሊብያን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅሮም ኣእትዮምወን።

መሰኻኽር ዓይኒ ከምዝገለፅዎ ደገፍቲ ጋዳፊ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኽፋል ትሪፖሊ ተቓውሞ ኣብልዕሊ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ቶኽሲ ብምኽፋት ጉድኣት ከምዘብፅሑሎም ገሊፆም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንተሎ ኣማእቲ ኣሽሓት ሰልፈኛታት ቀዳማይ ምንስቴር ግብፂ ኣሕመድ ሻፊቕ ካብ ስልጣኖም ንኽወርዱ ብምሕታት ኣብ ጎደና ጣሕሪር ተሰሊፎም።

ኣብ ባግዳድ ሓዉሱ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ዒራቕ እውን ዓበይቲ ናይ ተቕውሞ ሰልፍታት ከምዝተኻየዱ ተፈሊጡ።

ኣብ ሰሜንዊ ከተማ ሞስልን ከባቢኣን እውን ኣብ መንጎ ሰልፈኛታትን ሓይልታት ፀጥታን ብዝተኻየደ ግጭት ዓሰርተታት ከምዝተጎድኡ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣማእቲ ኣሽሓት ሰልፈኛታት እውን ዳርጋ ኣብ ኩለን ግዝኣታት የመን ፕሬዝዳንት ዓሊ ዓብዱላህ ሳላሕ ካብስልጣኖም ንኽወርዱ ብምሕታት ተቓውሞ ሰልፍታት ኣካይዶም።

XS
SM
MD
LG