እሙናት ወትሃደራት መዓሙር ገዳፊ፣ኣብ ልዕሊ ተቃወምቲ መጥቃዕቲ ቀፂሎም።እንተኾነ ብተቃወምቲ ዝታሓዝ ናፃ ግዝኣት እናሰፍሐ ይኸይድ‘ሎ።
ብመንግስቲ ዝፍኖ ኩነታት ሊብያ ካብ‘ቲ ሰላማውያን ሰባት ዝልእኽዎ ኩነታት ኣዝዩ ዝተፈለየ‘ዩ።ሎሚ ሓሙስ ብመንግስታዊ ቴሌቭዥን መግለፂ ዝሃበ ወዲ ገዳፊ - ሰይፍ ኣል-ኢስላም፣ቁፅሪ ዝተቀትሉ ተጋኒኑ‘ዩ ዝግለፅ ዘሎ በለ።
በዝሖም‘ኳ እንተዘይገለፀ ኣዝዮም ሒደት ሰባት‘ዮም ሞይቶም’ዮ ይብል ሰይፍ ኣል-ኢስላም።ጨኸናን ደብዳብን ተፈፂሙ እንተኾይኑ ንከረጋግፁ ድማ ጋዜጠኛታት ፅባሕ ዓርቢ ናብ ሊብያ ንክኣትው ንዕድም‘ለና ይብል።
ተሓለቅቲ መሰላት፣ምንጭታት ሆስፒታልን ሪኢና ዝብሉ ሰባትን ዝህብዎ ገምጋም ግና ደማዊ ፀብፃብ‘ዮ።
ኣብ‘ታ ተቃወምቲ ይቆፃፀርዋ ዘለው ምብራቃዊት ከተማ ቤንጋዚ ዘሎ ሆስፒታል ዝሕክም ዶ/ር ሒሻም ሙስጦፋ ግና ቁፅሪ ዝሞቱ ብትኽኽል ክፍጦም ኣይክእልን።ግን ኣብ ቤንጋዚ ጥራሕ ግና ልዕሊ 3 ሚእቲ ሞይቶም‘ለው።ልዕሊ 3 ሽሕ ድማ ከምዝቆሰሉ ፈሊጠ‘ለኹ ይብል።
ዝዓበየ ተቃውሞ ኣንፃር ገዳፊ ኣብ ምብራቃዊ ሊብያ‘ኳ እንተኾነ፣እቲ ማዕበል ናብ ኣንፈት ርእሰ-ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ንወገን ምዕራብ ይሰፍሕ እዩ ዘሎ።
ሰራዊት ሊብያ ኣብ ከተማ ዛዊየ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ብፀረ-ነፈርቲ ኣብ ዝፈፀሞ ደብዳብ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደ ዝራኣዩ መስኪሮም‘ለው።
እንተኾነ ተቃወምቲ ንእሙናት ወትሃደራት መዓሙር ገዳፊ ካብ ወደባዊት ከተማ ሚስራታ ከምዘባረርዎም እቲ ዜና ይሕብር።ግጭት ግና ቀፂሉ‘ሎ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ ኣብ ቴሌቭዥን ሊብያ ብቴሌፎን ሎሚ ሓሙስ መግለፂ ዝሃቡ ፕረዚደንት ገዳፊ፣እቲ ህዝባዊ ማዕበል ስራሕ ኣል-ቃይዳ‘ዩ፣ኣብ ፀረ መንግስቲ ይስለፉ ዘለው ድማ ህውከት ዘሐጉሶም ንኡሳትን ብሓሺሽ ዝተወለፉን‘ዮም ኢሎም።
ሚስተር ገዳፊ፣ኣብ መድረኽ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ዓዶምን ዝነበሮም ተቀባልነት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይቀብፁ‘ዮም ዘለው።ሓደ ናይ ቀረባ ኣማኻሪኦም ዝነበረ ኣሕመድ ገዳፊ ኣል-ዳም ተቃውሙኡ ንምግላፅ ሰሊሙ‘ሎ።
እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ዩ-ስ ነቲ ኣብ ሊብያ ቀፂሉ ዘሎ ህውከት ኣውጊዛቶ። ኣውሮዻዊ ሕብረት ኣንፃር ሊብያ ማዕቀብ ንምንባር ይማኸር‘ሎ።
መዓሙር ገዳፊ ግና ኣብ'ቲ ተቃውሞ ዝሳተፉ መናእሰይ ብሓሺሽ ዝሰኸሩ'ዮም ይብሉ