ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳዕሽ ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕቲ አብ ትካላት ነዳዲ ሊብያ ፈጺሙ


ዳዕሽ አብ ሰሜናዊ ሊቢያ ኣብ ዝርከቡ ናይ ነዳዲ ትካላት ርእሰ-ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ከምዝፈጸሙን እቶም ናዕበኛታት ንድሕሪት ከምዝተደፍኡን ሰበስልጣን ሰራዊት ሊብያ ገሊጾም።

ዒላማ እቲ መጥቓዕቲ ኣል-ሲድራ ናይ ነዳዲ መውፈሪ ኑቕጣ ኮይኑ ኣብቲ መጥቓዕቲ ክልተ ወታደራት ተቐቲሎም ኣለው።

ዳዕሽ ካብ ከተማ ሲርት ብኣንፈት ምብራቕ ናብ ብርክት ዝበሉ ናይ ነዳዲ ትካላት ናብ ቅድሚት ንምግስጋስ ተደጋጋሚ ፈተነ የካይዱ ምህላዎም'ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG