ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ውዕሎ ቅልውላው ሊብያን ትንተናታቱን


Libyan anti-regime demonstrators gesture at a burnt police station in the eastern city of Tobruk on February 25, 2011.
Libyan anti-regime demonstrators gesture at a burnt police station in the eastern city of Tobruk on February 25, 2011.

ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ናብ ጽርግያ ወጺኻ መግቢ ክትዕድግ ወይ ደሃይ ክትፈልጥ ምፍታን፡ ዝጽበየካ ማሕረድትን መቕተልትን ምዃኑ`ውን ይገልጹ

ሎሚ ካብ ትሪፖሊ ዝተዛረቡ ስደተኛታት፡ ገና ኣብ ገዛ ተዓጽዮም፡ ዝበልዕዎን ዝሰትዩዎን ይጽንቀቖም ከም ዘሎ ገሊጾም። ኣብ`ዚ ሰዓት`ዚ ናብ ጽርግያ ወጺኻ መግቢ ክትዕድግ ወይ ደሃይ ክትፈልጥ ምፍታን፡ ዝጽበየካ ማሕረድትን መቕተልትን ምዃኑ`ውን ይገልጹ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርትን፡ ወደባትን ትሪፖሊ፡ ገለ መንግስታትን ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታትን፡ ንገለ ስደተኛታት የህድሙ`ለዉ ዝብሃል ወረ`ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ዝኸፍአ ጸገም ኮይኑ ዘሎ፡ ናብኡ ክትከይድ ምፍታን ምዃኑ`ውን እቶም ንቪኦኤ ዝተዛረቡ ሰባት ይገልጹ።

ካብ ሮማ፡ ንድሕነት`ቶም ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ብዘይምስልካይ ዝቃለሱ ዘለዉ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ስብኣዊ ርሕራሔ ዝስምዖም ዜጋታት፡ ኣብ ጥቕኦም ንዝርከባ ኢምባሲታትን ትካላትን ብምሕባር ኣብ`ዚ ወፍሪ-ህይወት-ኣድሕን ክሳተፉ ጸዊዖም።

ብዛዕባ ሊብያ ድሕሪ ባይታን መጻኢ ኹነታትን ዝተንተነ ኣቶ ዓብደልረዛቕ ኣሕመድ ካብ ቨርጂንያ ብወገኑ፡ መራሒ ሊብያ መዓመር ቓዛፊ፡ ኣብ ሰራዊቱ እምነት ብምጉዳሉ፡ ነዚ ዝተወለዐ ናዕቢ ጠጠው ኸብሎ ኸጸግመሉ ኸምዝኽእል ይገልጽ። ዝበዛሓ ቐቢላታትን ሊብያ፡ ንቓዛፊ ይኸድዕዖ ከምዘለዋ`ውን ይኣምን።

ንምሉእ ትሕዝቶ ውዕሎ ሊብያ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG