ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበ-ስልጣን ሊብያ 350 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ግብጺ መሊሶም


 ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ግብጻዊያን ስደተኛታት ኣብ ትሪፖሊ ሊብያ - 31 ጥሪ 2024
ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ግብጻዊያን ስደተኛታት ኣብ ትሪፖሊ ሊብያ - 31 ጥሪ 2024

ሰበ-ስልጣን ሊብያ ትማሊ ረቡዕ ን350 ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ግብጺ ምምላስ ከም ዝጀመሩ በዓል-ስልጣን ኢምግረሽን ንኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ብኵናት ዝተሓመሰት ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንዝሰግሩ ኣፍሪቃውያን እንተላይ ግብጺ መሰጋገሪት ኮይና ምጽንሓ ይፍለጥ። ብዙሓት ግብጻውያን ንኤውሮጳ ንምሕላፍ ከምኡ`ውን ኣብ ሕርሻን ህንጻን ንምስራሕ ናብ ሊብያ ክስደዱ ጸኒሖም `ዮም።

ተቐናቐንቲ ምምሕዳራት ሊብያ ነቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ሃገራቶም ኣብ ምጥራዝ ብሓባር ክሰርሑ ዝሓለፈ ዓመት ምስምማዕም ይዝከር።

ሊብያ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፡ 600 ስደተኛታት ናብ ግብጺ መሊሳ`ያ። ልዕሊ 23 ሺሕ ስደተኛታት ድማ ናብ ናይጀርያ ጠሪዛ።

መራሒ ሊብያ ዝነበረ መዓመር ቐዛፊ ኣብ 2011 ካብ ዝቕተል ንድሓር፡ ሊብያ ንኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ምችእቲ ባይታ ኮይና ምጽናሓ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG