ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ 165 ዘይሕጋዊያን ናይጀርያዊያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም መሊሳ


ፋይል
ፋይል

ሊብያ ከም መቐፀልታ ናይቲ ዝጀመረቶ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ናይ ምስጓግ መስርሕ 165 ናይጀርያውያን ትማሊ ሰሉስ ናብ ሃገሮም ምምላሳ ኣፍሊጣ።

እቲ ተግባር ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ኣብ ዝተረኽበሉ ዝተኻየደ ኾይኑ መቐፀልታ ናይቲ ምስ መንግስቲ ሊብያ ዝሰርሖ ዘሎ ሓባራዊ መደብ ምምላስ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት እዩ።

መብዛሕተኣን እተን ካብ ሊብያ ዝተፋነዋ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ከለዋ ገሊአን ኣብ ፅርግያ ክልምና ዝተተሓዛ ምዃነን ወሃቢ ቃል ክፍሊ ኣንፃር ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ሊብያ ሃታም ቤልጋዚም ይሕብሩ።

ንሶም ኣብ ዝመፅእ ሰሙን 'ውን ምፍናው ካልኦት ተወሰኽቲ ናይጄርያውያን ከምዝህሉ ሓቢሮም ኣለው።

ሊብያ ካብ ኲናት፣ ዘይምርግጋእን ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ሃገሮምን ሃዲሞም ንዝሓሸ መነባብሮ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ስደተኛታት ዝጥቀሙላ መሰጋገሪት ሃገር'ያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG