ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ ምስ ዕደና ክሪፕቶ ብዝተኣሳሰረ 50 ቻይናዊያን ኣብ ቐይዲ ኣእትያ


ሰበስልጣን ሊቢያ ነቲ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ይካየድ ዝነበረ ስርሒት ዕደና ክሪፕቶ ደው ከምዘበልዎን 50 ቻይናዊያን እውን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ገሊጾም።

ወኪላት ሚንስትሪ ውሽጢ ሃገር ካብ ዋና ከተማ 160 ኪሎ ሜትር ብኣንፈት ምብራቕ ርሒቁ ኣብ ዝርከብ ግራት ብዘካየድዎ ፍተሻ ብሓገዝ 50 ቻይናዊያን ቨርችዋል ገንዘብ ንምስራሕ ዘኽእል ኣገዳሲ ናውቲ ምርካቦም ገሊፆም ኣለው።

ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ እውን ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሚስራታ ብ10 ቻይናዊያን ይሳለጥ ንዝነበረ ኻልእ ዘይሕጋዊ ግራት ዕደና ክሪፕቶ ደው ምባሎም ገሊጾም ኔሮም።

ክሪፕቶ ብስሩዕ ብዘይምቁራፅ ስለዝሰርሕ ንዕኡ ዝከውን ሓያል ሰርቨራት፣ ዝተረጋግአ ኣገልግሎት ኢንተርኔትን ክባራት ኣቑሑትን የድልይ።

ብኵናት ኣብ ዝዓነወት ሊቢያ ግን ምቁርራፅ ኤሌክትሪክን ኢንተርኔትን ዝውቱር እዩ።

ቻይና ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ናይ ክሪፕቶ ገንዘብ ኣጊደን እየን።

ማእኸላይ ባንኪ ሊቢያ ዝኾነ ይኹን ናይ ክሪፕቶ ካረንሲ ምትዕድዳግ ኣብ 2018 ደው ምባሉ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG