ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 266 ስደተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም


ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ትማሊን ሎሚ ሶሉስ 266 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ትሪፖሊ ምድሓኖም ገሊጾም።

ሓደ ካብቶም ስደተኛታት ሞተረ እታ ተጻዒኖምላ ዝነበረ ጀልባ ምብልሻውን መሓበሪ መዓዝን’ውን ይሰርሕ ከምዘይነበረ ኣብ ከምዚ ህሞት ከለው ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ናብ ዘለውዎ ቦታ ከምዝመጹን ናብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ከተማ ትሪፖሊ ከምዝወሰድዎም ይገልጽ።

ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ 266 ስደተኛታት ካብ ማእኸላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00

እታ እቶም ስደተኛታት ተጻዒኖምላ ዝነበረት ጀልባ ናብ ደቡባዊ ኢጣልያ ተምርሕ ከምዝነበረትን መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኣፍሪቃዊያን ምኳኖም ካብኦም ሸሞንተ ደቂ ኣንስትዮ ምኳነን ተገሊጹ’ሎ።

ኣብ ስርሓት ህይወት ኣድሕን ዝነጥፉ ሶፍያን ኣል ሳዋስ ኩሎም ኣቶም ስደተኛታት ናይ ህክምና ረድኤት ከምዝተገብረሎምን ንሰበ ስልጣን ሊብያ ከምተረኸቡ ይገልጹ።

እዚ ወርሓት ክረምቲ ብዙሓት ስደተኛታት ማእኸላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ናብ ደቡባዊ ኣውሮጳ ዝጉዓዘሉ እዋን ምኳኑ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG