ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊብያ ሓይልታት ጥምረት ንሻድሻይ መዓልቲ ሎሚ ሓሙስ ደብዳብ ነፈርቲ ፈፂሞም



ኣፅዋር ሰራዊት ማዕሙር ገዳፊ
ኣፅዋር ሰራዊት ማዕሙር ገዳፊ

ሊብያ ነቲ ደብዳብ ብቅፅበት ክቓረፅ ፀዊዓ

ኣጋር ሰራዊት ክልቲኦም ተፃባእቲ ወገናት ሊብያ ኣብ ጃላ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ነፈርቲ ውግእ ሓይልታት ጥምረት ምዕራባውያን ሎሚ ንሻድሻይ መዓልቲ ኣብ ምብራቅን ምዕራብን ሊብያ ደብዳብ ፈፂመን።

ነፈርቲ ውግእ ጥምረት ምዕራባውያን ኣብ ርእሰ-ከተማ ሊብያ ትሪፖሊን ካልኦት ከባቢታን ንዝርከቡ ወትሃደራዊ ዕርድታት ኣብ ዝደብደባሉ ናብ ሎሚ ሓሙስ ዘውገሐ ለይቲ፣ፀረ ነፈርቲ መልሰ ግብሪ ይትኮስ ነይሩ።

ትካል ዜና ኤቢሲ፣ሓይልታት ጥምረት ነታ ሰማይ ሊብያ ካብ በረራ ነፃ ክኸውን‘ለዎ ዝብል ውሳነ ሕ/ሃ ዝጣሓሰት ነፋሪት ሊብያ ወቂዖም ከምዘውደቁ ኣፍሊጡ‘ሎ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ቴሌቭዥን ሊብያ ብሓይልታት ጥምረት ተቀቲሎም ናብ ዝተባሃሉ ሰባት ሬሳ ተርኢ‘ላ።ምንስትር ወፃኢ ፈረንሳ ግና፣ወትሃደራዊ ስፍራ ጥራሕ‘ዩ ዒላማ ኮይኑ ዘሎ ይብሉ።

ኣብ ትሪፖሊ ከምዘሎ ዝዛረብ ዶ/ር ሃይታም ኣል ትራቡልስ ንቴሌቭዥን ኣል-ኣራብያ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ፣ኣብ ትሪፖሊ ሰላማውያን ሰባት ኣይተተንከፉን ኢሉ‘ሎ።

ተጠባባቂ ምንስቲር ወፃኢ ሊብያ ካሊድ ካይም ግና፣ነፈርቲ ውግእ ሓይልታት ጥምረት ንሰላማዊያን ሰባት ይጎድኣ ስለዘለዋ እቲ ደብዳብ ብቅፅበት ደው ክብል ፀዊዑ።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ይፍፀም ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ንሰላማዊ ሰብን ንወትሃደራዊ ስፍራን ኣይፈልን ዘሎ።ሃገራዊ ልዝብ ክጅምርን ህይወት ናብ ንቡር ንክምለስን፣ደብዳብ ነፈርቲ ብዘይውዓል ሕደር ክቋረፅ ኣለዎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG