ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሒ ሊብያ መዓመር ገዳፊ ካብዚ ኹናት ብዓወት ክወፅእ'የ ይብሉ'ለው


ናይ ሊብያ መራሒ መዓመር ገዳፊ ኣንፃር ተቃወምቲን ዓለም-ለኸ ሓይልታትን ኣብ ዘካየድዎ ውግእ ክዕወት'ዩ ክብሉ ድሕሪ ምዝራቦም ድሕሪ ሰዓታት ሎሚ ወጋሕታ ነተጉቲን ፀረ-ነፈርቲን ተኩሲ ኣብ ርእሰ-ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ ተሰሚዑ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንፈለማ ጊዜ ናብ ህዝቢ ዝቀረቡ ሚስተር ገዳፊ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ውሽጢ ቀፅሮም ንደገፍቶም ከም ዝበልዎ ይንዋሕ ይሕፀር'ታ ሃገር ድሮ ኣብ ኹናት'ያ ዘላ ኢሎም።

ገዳፊ ኣብዚ ዘረበኦም" እዚ ኹናት መስቀላውያን ኣንፃር እስልምና'ዩ፡ እስልምና ኣብ ኹሉ ንዘልአለም ይንበር፡ ኹሉ ሙስሊም ኣብቲ ኹናት ይካፈል፡ ኣብ ኹሉ ቦታታት ተቃውሞ ሰልፍታት የካይድ" ኢሎም።

ሓይልታት ጥምረት ስሪሒቶም ኣብ ዝቀፀልሉ ሓይልታት ደገፍቲ ገዳፊ ኸአ ኣብ ልዕሊ'ተን ተቃወምቲ ዝተቆፃፀርወን ከተማታት ምስራታን ዚንታን መጥቃዕታቶም ኣፅዒቆም'ለዉ።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሓይልታት ደገፍቲ መንግስቲ ሊብያ ካብ ምስራታን ካልኦት ከተማታትን ንድሕሪት ክምለሱ ጠሊቦም'ለው።

ዓለም-ለኸ ጥምረት ፈለማ ንቤንጋዚ ካብ በረራ አየር ናፃ ንምግባር'ካ እንተነበረ ሓሳቡ ደሓር ግን ናብ ትሪፖሊ ገፅ ናብ ምዕራብ አሽሓት ኪሎ ሜትራት ንምግፋሕ'ዩ ወሲኑ።

XS
SM
MD
LG