ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ፍሽልቲ ሃገር ከይከውን ኣድሑንኒ’ ትብል ልብያ


ልብያ
ልብያ

ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ልብያ ፀሊም ፀብፃብ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ ዘቅረቡ ምንስትር ወፃኢ ልብያ፣ዓለም-ለኸ ሓገዝ እንተዘተረኺቡ ልብያ ዝፈሸለት ሃገር ክትከውን‘ያ ኢሎም ኣጠንቂቆም።

ምንስትር ወፃኢ ልብያ መሓመድ ዓብዱል-ኣዚዝ ናብ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣብ ዘቅረብዎ ለበዋ፣መንግስቶም ንጎዳጉዲ ነዳዲን ትካላቱን ንክሕሉ ደገፍ የድልዮ‘ዩ በሉ።

እቲ ንሶም ዝሓተማሕፀንዎ ሓገዝ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕ/ሃ ኮይኑ ክቅፅል ድልየት ኣሎ፣ወይካኣ ሊብያ ካብ ዞባዊን ክልተኣዊን ምድላዋት‘ውን ክትጥቀመሉ ትኽእል‘ያ ኢሎም።

መሸጣ ነዳዲ ዘይቲ ሊብያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ካብ 1.5 ቢልዮን በርሚል ኣብ መዓልቲ ናብ 150 ን 300 በርሚል ስለዝነከየ፣ብኡ መጠን መንግስቲ ሊብያ ክሳብ ሰላሳ ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ስኢኑ‘ሎ።

ምንስትር ወፃኢ ሊብያ ኣብ ዘረበኦም፣መንግስቲ ልብያ ነቶም ንትካላትን ጎዳጉድን ነዳዲታት ዝተቆፃፀሩ ዕጡቃት ንክምንጥሎም ዓቅሚ የብሉን ይብሉ።

ሊብያ ኣብ ኣንፈት ዝፈሸለት ሃገር ምኳን‘ያ ትርከብ ዝበሉ ምንስትር ወፃኢ መሓመድ ዓብዱል ዓዚዝ፣ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕ/ሃ እቲ ሓደጋ‘ቲ ንከየጋጥማ ክከላኸለላ ይግባእ ኢሎም።

”ሊብያ ዝፈሸለት ሃገር እንተኾይናን ኣብ ኢድ ጨወይቲን ጉጅለ ፅንፈኛታትን ራእስታትን እንተወዲቃ፣ሳዕቤኑ መጠነ ሰፊሕን ካብ ቁፅፅር ወፃኢን ከምዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሎም።ሊብያ መዕቆቢት ሃይማኖታዊ ጥሩፋትን ፅንፈኛታትን ክትከውን ትኽእል‘ያ፣ ብሕልፊ ምብራቃዊ ግዝኣት ልብያ ኢሎም ንሶም።

ዝሓለፈ ሰሙን፣ድሕሪ ውድቀትን ስዕረትን መላኺ መዓሙር ቃዛፊ፣ሊብያ ኣጋጢሙዋ ዘይፈልጥ ከቢድ ውግእ ከምዘተኣናገደት ዝዝከር‘ዩ።

XS
SM
MD
LG