ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምትሕብባር ምስምማዑ ሓቢሩ


መንግስቲ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምትሕብባር ምስምማዑ ሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:13 0:00

መንግስቲ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምትሕብባር ምስምማዑ ሓቢሩ

መንግስቲ ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምግታእ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ንምትሕብባር ምስምማዑ ዓርቢ ኣፍሊጡ እንተኾነ ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ፓውሎ ጀነተሊ እቲ ምትሕብባር ነቲ ኣብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ዘሎ ውጥረት ንምጉዳል ምኳኑ ኣይሓብኡን።

“እዚ ብጣዕሚ አገዳሲ ተበግሶ ንምሕያል ሉዓላዊነት ሊብያ እዩ። ብርግጽ ድማ ንሉዓላዊነት ሊብያ ዝጎድእ ተበግሶ ኣይኮነን” ኢሎም።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንምንጪ መንግስቲ ኢጣልያ ብምጥቃስ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ኢጣልያ መራኽባ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከምተወፍር ሓቢሩ፡ “ጎረ ደላ ሰራ” ዝተባህለ ጋዜጣ ኢጣልያ ግን ነፈርቲ፡ ሰብ አልቦ ነፈርቲን ካልኦት ናብቲ ገማግም ባሕሪ ከምዝውፍሩ ሓቢሩ’ሎ።

ካብ ሰበ ስልጣን ሊብያ ዝወጸ ጸብጻብ ብኣንጻሩ ዘይሕጋዊያን አስገርቲ ንብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ኣውሮጳ ከየስግሩ ንምግታእ ዝተወስደ ተበግሶ እንበር ኢጣልያ መራኽባ ናብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ከተእትው ፍቓድ ከምዘይሃቡ ይገልጹ።

ቀዳማኒ ሚንስትር ኢጣልያ ፓውሎ ጀነቲሊ” መንግስቲ ልዑል መራኽብን ነፈርትን ከዋፍር’ዩ ማለት ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ። እዚ ተበግሶ ድማ ነቲ ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝቐረበ ጠለብ መልሲ’ዩ” ኢሎም።

ቀዳማይ ሚንስትር ጀነቲሊ ንፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግን ንኩሉ ስጉምትታት ብፍቓድን ምትሕብባርን ሰበ ስልጣን ሊብያ ከምዝኻየድ ዝሓበሩ እንተኾነ ንናይ መወዳእታ ውሳኔ ፓርላማ ኢጣልያ ጽባሕ ሶሉስ ነቲ ጉዳይ ከምዝዝትየሉ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG