ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊብያ ሓገዝ ይበጽሕ እንተሎ'ውን ተወሳኺ ሓገዝ ከምዘድልይ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ገሊጹ


ብውሕጅ ዝተጠቕዓ ከባቢ ሊብያ -ፋይል
ብውሕጅ ዝተጠቕዓ ከባቢ ሊብያ -ፋይል

ዓለምለኸ ኮሚተ ቀይሕ መስቀል ኣብታ ብውሕጅ ዝተሃስየት ሊብያ ሰብኣዊ ሓገዛት ይበጽሕ ምህላው እንተኾነ ግን ናይ ንጽህና ኣቑሑትን ተበፃሕነት ፅሩይ ዝስተ ማይን ግን ካብቶም ህፁፅ ድልየታት ምዃኖም ሓቢሩ።

ላዕለዋይ መራሒ እቲ ናብ ሊብያ ዝበፅሐ ልኡኽ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ስራሕቶም ብዘይዕንቅፋት ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ይካየድ ምህላው ካብ ደርና ኣብ ዝተመልስሉ እዋን ግን ሓያል ወተሃደራዊ ህላወ ምዕዛቦም ሓቢሮም።

ህቦቡላ 'ዳኒኤል' ንገማግም ምብራቃዊ ባሕሪ ሊብያ ኣብ 10 መስከረም ድሕሪ ምውቅዑ ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ሰባት ክሞቱ ከለዉ ካልኦት ኣሻሓት ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን። ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጥቃም ሰበስልጣናት ስጋብ ሕጂ ዝተፈላለየ መጠን ኣሃዝ ይህቡ እንተሎ'ዃ ከንቲባ እታ ኸባቢ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ክሕብር ከሎ ትካል ጥዕና ዓለም ድማ ስጋብ 3,922 ሰባት ምሟቶም ከምዘረጋገጸ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG