ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መወዳእታ ንናይ ሊብያ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ኣፍልጦ ሂቡዎ።እዚ ንጋዳፊ ካሊእ ውቅዒት እዩ።ገለ መራሕቲ ኣፍሪካ ኣብ ሊብያ ስጉምቲ ኣብ ውሳድ ንድሕሪት ምትራፉ ሕብረት ኣፍሪካ ምስ ውድዓዊ ሓቅታት ዘይኸይድ ምኻኑ ዘርኢ ሓቂ እዩ ይብሉ።
ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሊብያ ኩሉ ሓቆፍ መንግስቲ ንምምስራት ኣብዝገብሮ ፃዕሪ ደገፉ ከምዝህብ ሕብረት ኣፍሪካ ኣፍሊጡ።
ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሊብያ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ዘንጊዑ እዩ ፀኒሑ።መንግስታት ናይጀሪያ፡ኢትዮጵያ፡ሴነጋልን ኣይቨሪኮስትን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት መንግስታት ኣፍሪካ ሓዊሱ ፡መብዛሕቲአን ሃገራት ኣውሮፓን ዩናይትድ ስቴትስን ቅድሚ ሓደ ወርሒ ንሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ኣፍልጦ ህበንኦ እየን።
ፕሬዝዳንት ኣይቨሪኮስት ኣላሳን ዋታራ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሊብያ ዘርአዮ ምዝንጋዕ ዘርእዮ ሓቂ እንተሃለወ እቲ ሕብረት ዘለዎ ፅልዋ ኣዝዩ ዝነኣሰ ምዃኑ እዩ ይብሉ።
ሕብረት ኣፍሪካ ብዘርአዮ ትሑት ብቕዓትን ምድንጛይ ውሳነታትን ከምዝጎሃኹ ብግልፂ ክዛረብ እደሊ ዝበሉ እዮም ፕሬዝዳንት ዝጎሃኹ ምዃነይ ክዛረብ እደሊ ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳንት እዚ ዘርእየና ሓቂ እተን ዞባዊ ውዳበታት ኣብ ከይዲ ምሃብ ውሳነ ዘይተኣሳሰራ ምዃነን እዩ ኢሎም።ብምስዓብ ድማ ‘’ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሓላፍነት ናይ ምውሳድ ሓይሊ ዘለዎ ኣይመስለንን።’’ኢሎም።
ኣብ ሊብያ ይብሉ ፕሬዝዳንት ዋታራ ተለቪዥን ኸፍቲካ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ስግግር ሊብያ ስልጣን ሒዙ እናረአኻ’ውን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዓለም እንታይ ይፍፀም ከምዘሎ ዝፈልጥ ኣይመስልን ነይሩ ይብል።እቶም ናይ ኣይቨሪኮስት ፕሬዝዳንት ብምውሳኽ ነቲ 54 ኣባል ሃገራት ዝሓቖፈ ሕብረት ናይ ምምሕያሽ ሓላፍነት ከም ደንበ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ዝኾነ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ውዳበታት ከምዝኾነ ይገልፁ።
ተቓላሳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ሸሁ ሳኒ ‘ሲቪላዊ መለኽቲ ኣፍሪካ’ /Civilian Dictators of Africa/ ዘርእስቱ መፅሓፍ ዝፀሓፉ እዮም።ንሶም ሕብረት ኣፍሪካ ብጉዳይ ሊብያ ሓፊሩ እዩ ይብሉ።
ተቓወምቲ ሊብያ ዝመስረትዎ መንግስቲ ከም ደጋፊ ኣውሮፓን ምዕራባዊያን ተገይሩ እዩ ከምዝርአን ሕብረት ኣፍሪካ በቶም ተቓወምቲ ዋላ’ውን ብኔቶ ዕሽሽ ዝለዝተብሃለ ሓፊሩን ጉህዩን እዩ።እዞም ጉዳያት ከይተፈትሑ ኣብ ሊብያ ሰላም ክህሊ ኣይኽእልን ይብሉ ሳኒ።
ጋዳፊ ኣብ ሙሉእ ኣፍሪካ ንመንግስታትን ዓመፅትን ይብዎ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ልግሲ ኣብ ግምት ብምእታው ይብሉ ሳኒ ናይ ሊብያ ቤት ምኽሪ ስግግር ንጋዳፊ ንምግላል ብህፁፅ ክሰርሑ ኣለዎም ይብሉ።
ብደቡብ ኣፍሪካ ዝምራሓ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪካ ንናይ ሊብያ ቤት ምኽሪ ስግግር ኣፍልጦ ኣይንህብን ክብላ ፀኒሐን እየን።ትማሊ ሰሉስ ግን መንግስቲ ጃኮብ ዙማ ንናይ ሕብረት ኣፍሪካ ውሳነ ብምኽታል ንሓደሽት መራሕቲ ትሪፖሊ ኣፍልጦ ሂቡዎም ኣሎ።