ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ - ናብራ ኣይጣዓሞምን


ተቃወምቲ ገዳፊ ይቀትሉና'ለው እውን ይብሉ

ኣብ ሊብያ ብጠንቂ ዝቀፀለ ኲናት፣ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ከምዝተፈናቀሉ ተሓለቅቲ መሰላት ገሊፆም።

ኣብ እዋን ስርዓት መዓሙር ገዳፊ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ኣፍሪቃውያን ኣብ ሊብያ ይቅመጡ ነይሮም።ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ወርሒ እዋን ውግእ ግና በዝሒ‘ቶም ስደተኛታት ናብ ሚእቲ ሽሕ ከምዝወረደ ትካላት ረድኤት ይሕብሩ።

ጋናዊት ኣሚኑ ዚምቦ፣ሓይልታት ፀረ-ጋዳፊ ንፀለምቲ ወፃእተኛታት የጥቅዑ‘ለው፣ምኽንያቱ ግና ኣይተረደአንን ምስበለ ”እትው ምስ በሉ፣ተኲሲ ተኸፈተ።ንሕና ድማ ምህዳም ጀመርና።ፓስፖርትና ኣብ ገገዛና ኢና ገዲፍና ኢና ወፂእና።ምኽንያቱ ንኩሎም ፀለምቲ ቀቲሎምዎም‘ዮም።ስለዝኾነ‘ዩ ዝሃደምና” ይብል።

ሓይልታት ፀረ-ገዳፊ፣ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ተሰሊፎም ወጊኦምና‘ዮም ኢሎም ንዝጠርጠርዎም ዜጋታት ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ ማሪኾም‘ለው።እቶም እሱራት ክዛረቡ ከለው፣ዜግነት ክንህበኩም ኢና ስለዝበሉና‘ዩ ምስ ገዳፊ ዝተሰለፍና ክብሉ ከለው፣ካልኦት ግና ካብ ቤት ማእሰርቲ‘ዮም ገፊፎም ናብ ዓውዲ ኲናት ኣእትዮምና ይብሉ።

ብርክት ዝበሉ ሊብያውያን ግና፣ንሰላማዊያን ሰባት ንዝቀተሉ ዕሱባት ስለዝብልዎም፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ንኩሎም ፀለምቲ ወፃእተኛታት ብጎቦ ዓይኖም እዮም ዝሪኢዎም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ኣብ‘ቲ ካምፕ ዑደት ዝፈፀሙ ኣምባሳደር ናይጀርያ፣ ንዜጋታት ናይጀርያ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ከምዝገብሩ ቃል ኣትዮም። ኣብ‘ቲ ካምፕ ዝነበሩ ናይጀርያውያን ግና ተፃባኢ ኣቀባብላ‘ዮም ገይሮምሎም።

XS
SM
MD
LG