ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ስደተኛታት ጽዒና ዝጠሓለት መርከብ ሸሞንተ ሰባት ምሟቶምን ኣስታት 90 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘለው ተገሊጹ


ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝጠሓለት መርከብ ሸሞንተ ሰባት ምሟቶምን ካልኦት 90 ድማ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ከምዘለው ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ሓቢሮም።

እታ መርከብ ዝጠሓለት ካብታ መበገሲ ብዙሓት ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ዝኾነት ከተማ ሳባራታ ከባቢ ምኳኑ ሰበ ስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ገሊጾም አለው።

ካብ ሰበ ስልጣን ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝኾኑ ሰዲቕ ኣል ጃያሕ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣብ እዋን እቲ ስርሒት አድሕን 35 ሰባት ምድሓኖምን ሬሳ ሸሞንተ ሰባት ድማ ምርኻቦም ሓቢሮም።

ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ከምዝገለጽዎ ኣብታ ሓደጋ ዘጋጠመ ጀልባ ንሓሙሽተ መዓልታት ምጽንሖም ገሊጾም።

ብመሰረት ካብ ዝደሓኑ ዝተረኽበ ሓበሬታ እታ መርከብ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናት ዝርኸብዎም ካብ 120 ክሳብ 130 ዝኾኑ ስደተኛታት ጽዒና ከምዝነበረት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰበ ስልጣን ሊብያ 3,000 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ዝሓበሩ ክኾኑ ከለው ሓለዋ ባሕሪ ጣልያን ድማ ኣስታት 2,000 ስደተኛታት ምድሓኖም ምግላጾም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG