ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነዳዲ ዘይቲ ላይበርያ - ምርቃት'ዶ ርግማን ክኾን እዩ?


ካብ ዜጋታታ ዝቀርብ ዘይተመለሰ ሕቶ

ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላይቤርያ ተረኺቡ‘ሎ።እንተኾነ ላይቤርያውያን እቲ ዘሐጉስ ዜና፣መርገም ፀጋታት ሒዙሎም ንከይመፅእ ይጠራጠሩ።

ላይቤርያ ነቲ ትካል ነዳዲን ዘይትን ፔትሮልየም ኣፍሪቃ ዝዓበየ ዕቁር ዘይቲ ነዳዲ ዝበሎ ፀጋ ገና ክትጥቀመሉ ኣይጀመረትን።እቲ ኩባንያ ነቲ ሃብቲ ብከመይ ክምዝምዞ ከምዝኽእል መፅናዕቲ ይገብር‘ሎ።

ሓላፊ‘ቲ ኩባንያ ራንዶልፍ ማክለይን፣መጠንን ፅርየትን እቲ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ንምቅራብ ዘዋፅእ እንተኾይኑ ገና ኣብ ምፅናዕ ኢና ዘለና ይብል።

ኣሜሪካዊ መፅናዕቲ ጂኦሎጂ፣ላይቤርያ፣ሴራልዮንን ጋናን ክሳብ 3.2 ቢልዮን በርሚል ነዳዲ ኣብ ገምጋም ባሕሪ ኣለወን ከምዝበለ ዝዝከር‘ዩ።

ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቀፀለ ህውከት ዝዓሰለ ተነፃፃሪ ህድኣት ኣብ‘ቲ ዞባ፣ነዳዲ ዘይቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምወርቂን ብሩርን ዝኣምሰሉ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ኣብ ጥቅሚ ንምውዓል ፃዕሪታት ይግበር‘ሎ።

ላይቤርያውያን ግና፣ሃብቲ ነዳዲ ክላዓል ከሎ፣ፍርሂ‘ውን ኣለዎም።

”መብዛሕትኡ ጊዜ፣ሰባት ነቲ ካብ ነዳዲ ዘይቲ ዝርከብ ገንዘብ ንኩሉ ከምዘይከፋፈል‘ዮ ዝፍለጥ።ስለዚ ሒደት ዝብልፅጉሉን፣ብዙሓት ዝሳቀዩሉን ኩነታት ኢኻ ትሪኢ” በለ ንሱ።

ጆናተን ጋንት፣ኣብ ትካል ኣድማሳዊ ምስክራት ተቆፃፀርቲ ኣማኻሪ ፖሊሲ ላይቤርያ‘ዩ።መንግስታዊ ትካል ነዳዲ ላይቤርያ ክፈርስ ኣለዎ ይብል።

ሚስተር ጋነት ወሲኹ ”እቲ ዝዓበየ ሻቅሎት፣ምናልባት ጉቦ ክጋደድ‘ዩ ዝብል‘ዩ።መንግስቲ ላይቤርያ ግና መሳለጢ ክፍሊት‘ዩ ዝብሎ።እቲ ሓቂ ግና፣እቲ ትካል ነዳዲ፣ዝተፈላለዩ ውዕላት ነዳዲ ንክሓልፈሉ ንኣባላት ፓርላማ ላይቤርያ ዝኸፈሎ ገንዘብ‘ዩ”።

ብመሰረት ሕጊ ላይቤርያ፣እቲ መንግስታዊ ትካል ነዳዲ ዘይቲ፣ንግዳዊ፣ ንመኽሰብ ዝቆመን ነዳዲ ብዝምልከት ዝቆፃፀርን ኣካል‘ዩ።

ዳይረክተር ኣብ ሞንሮቭያ ንዝርከብ ማእከል ግሉፅነትን ተሓታታይነትን ዝኾነ ቶማስ ናህ፣እዚ ኣሰራርሓ‘ዚ ነኒርእሱ ዝላተም ረብሓታት ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ ይብል።

”ንገለ እቶም ሕጊታት ክትሪኢ ከለኻ፣ኣብ ሓደ እዋን ዳኛን ተፃዋታይን ኮይኖም ኢኻ ትረኽቦም።ተፃወትን ዳኛን ኮይኖም ትሪኤሉ ኩነታት ድማ፣ብሓደ ወገን ክሳተፉ ብካልእ ወገን ክቆፃፀሩን ካብኡ ሓሊፎም ኣብ ምሕንፃፅ ፖሊሲ ክነጣጠፉን ኢኻ ትሪኦም” ኢሉ ንሱ።

እቲ ኩባንያ ግና፣ንግልፁነት ዘለዎ ተገዳስነት ብሕልፊ መኽሰብ ዝእከበሉን ዝከፋፈለሉን ከምዝጥንቀቅ ይሕብር።

ነባራይ ሞንሮቭያ ዝኾነ ጂኦርጅ ሙር ግና፣ካልእ ዘሻቅል ፀገም ፀጥታ ምኻኑ ይጠቅስ።

“ብዛዕባ ነዳዲ ዘፍርያ ሃገራት ክንዛረብ ከለና፣ብዙሕ ፀገማት ከምዘሎ ኢና ንርኢ።ብጠንቂ ነዳዲ ዘይቲ ዝዋግኡ‘ውን ኣለው።ጠንቂ እዞም ግጭታት‘ዚኣቶም፣ኣብ‘ተን ሃገራት ዝፈሪ ነዳዲ ዘይቲ‘ዩ።ከምሳዕቤኑ ድማ፣ዘይምርግጋእ ኮይኑ ኢኻ ትረኽቦ” ይብል ንሱ።

ንኣብነት ኣብ ናይጀርያ፣ማዕረ ክፍፍል መኽሰብ መሸጣ ነዳዲ ዝሓቱ ዕጡቃት ኣብ‘ዚ ቀረባ ሰሙናት መጥቃዕቲ ኣሓይሎም‘ለው።

ፕረዚደንት ላይቤርያ ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ፣መኽሰብ መሸጣ ነዳዲ ንረብሓ መላእ ህዝቢን ሃገርን ላይቤርያ ከምዝዋዓለ ከረጋግፅ‘የ ኢለን መብፃዓ ከምዝኣተዋ ዝዝከር‘ዩ።ላይቤርያውያን ግና ንሪኦ ባሃልቲ‘ዮም።

XS
SM
MD
LG