ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ኢቦላ ብዝምልከት ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ


Dr. Joel Montgomery, team leader for the U.S. Centers for Disease Control and Prevention Ebola Response Team in Liberia, adjusts a colleague's personal protective equipment before entering the Ebola treatment unit in Monrovia, Liberia, Sept. 16, 2014.
Dr. Joel Montgomery, team leader for the U.S. Centers for Disease Control and Prevention Ebola Response Team in Liberia, adjusts a colleague's personal protective equipment before entering the Ebola treatment unit in Monrovia, Liberia, Sept. 16, 2014.

ናይ ላይበሪያ ፕሬዝዳንት ኤለን ጆንሰን ሰርሊፍ ኣብ ላይበሪያን ምዕራብ ኣፍሪካን ለበዳ ኢቦላ ንምምካት ተወሳኺ ሓገዝ ምሃቦም ንፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማን ህዝቢ ኣሜሪካን ኣመስጊነን።ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ጊኒ፣ላይበሪያን፣ሲየራሊዮንን ናይጀሪያን ኣስታት 5,000 ናይ ኪንታሮት ረስኒ ብዝምለስል ከምዝሓመሙ ኣፍሊጡ።ቤት ምኽሪ ፀጥታ ብዛዕባ ቅልውላው ኢቦላ ንምዝታይ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ።

ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ከተማ ኣትላንታ ጆርጂያ ኣብ ዝርከብ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማም ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ 3,000 ወታደራት ንኢቦላ ንምምካት ኣብዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ናብ ላይበሪያ የምርሑ ኣለው ኢሎም።

ናይ ላይበሪያ ፕሬዝዳንት ሰርሊፍ ትማሊ ምሸት ረቡዕ ንህዝበን ብቐጥታ ኣብዘስምዕኦ መደረ ካልኦት መራሕቲ ዓለም እውን ኢቦላ ኣብ ላይበሪያን ምዕራብ ኣፍሪካን ንኸብቅዕ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ንኽወስዱ ፀዊዐን።

‘’ብሽም ህብዚ ላይበሪያን ብሽመይን ንፕሬዝዳንት ኦባን ህዝቢ ኣሜሪካን ከመስግኖም እደሊ’’ ምስ በላ ‘’ተመሳሳሊ ስጉምትትታ ንኽወስዱ ምስ ካልኦት መራሕቲ መንግስታትን መራሕቲ ሕቡራት መንግስታትን እውን እናተዘራረብና ኢና’’ ኢለን።

ፕሬዝዳንት ሰርሊፍ እቲ ቫይረስ ጠጠው ንምባል መንግስተንን ማሕበረሰብ ዓለምን ይፅዕሩ ኣብዘለውሉ እዋን ላይበሪያዊያን እውን ግቡኦም ክፍፅሙ ፀዊዐን።

ካብቲ ለበዳ ክሃድሙ ይኽእሉ ዝነበሩ ብፍላይ ነርስታትን ዶክተራትን ንሕሙማት ኢቦላ ንምሕካም ኣብ ከባቢኦም ክፀንሑ ንዝወሰንዎ ፅንዓት ኣመስጊነ።

ብኻሊእ ዜና ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት እቲ ቫይረስ ጠጠው ዝብለሉ ኣገባብ ንምዝርራብ ሎማዕንቲ ሓሙስ ህፁፅ ኣኼባ ፀዊዑ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙንን ሓላፊት ትካል ጥዕና ዓለም ዶ/ር ማርጋሪት ቻንን እቲ ስግኣት ንምቁፅፃር ዝሓንፀፅዎ መደብ ከቐርቡ እዮም።

ኣባላት ሕቡራት መንግስታት ዘድሊዩ ሓገዛት ብህፁፅ ንኽልእኹን ኣብ ልዕሊ እተን ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝተነብረ ናይ በረራ እገዳታት ንኽልዓሉን ንዝፅውዕ ውሳነ እቲ ቤት ምኽሪ ድምፂ ክህበሉ እዩ።

ትካል ጥዕና ዓለም ሎማዕንቲ ኣብ ዘውፅኦ ሓዱሽ ኣሃዝ ኣብ ጊኒ፣ላይበሪያን ሲየራ ሊዮንን ልዕሊ 5,300 ሕሙማት ኣለው።ኣብ ናይጀሪያ እውን 21 ሕሙማት ተረኺቦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG