ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብቅትለትን ምልመላ ህፃናትን ዝተከሰሰ ላይበርያዊ ካብ ኣሜሪካ ክጥረዝ እዩ


ኣብ ጥቃ ሃዲሞም ዝመፁ ላይበርያዊያን ክነብር የብሉን ይብሉ ሰበ-ስልጣን

ኣሜሪካዊ ዳኛ ስደተኛታት፣ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ላይቤርያ ገበን ቅትለትን ምልመላ ህፃናትን ዝተኸሰሰ ላይቤርያዊ ናብ ሃገሩ ንክባረር ወሲኖም።

ስሳን ክልተን ዓመት ዝዕድሚኡ ጂኦርጅ ቦለይ፣ናብ ላይቤርያ ዝጥረዝ ዘሎ ድሕሪ ቅድሚ 4 ዓመት ዝፀደቀን ንትሕቲ ዕድመ ዝኸተበ ወገን ክሕተት ኣለዎ ዝብል ሕጊ’ዩ።ኣብ‘ዚ ተግባር‘ዚ ዝተዋፈረ ዝኾነ ወፃእተኛ ካብ ኣሜሪካ ክጥረዝ ኣለዎ ይብል እቲ ሕጊ።

ጂኦርጅ ቦለይ፣መራሒ ናይ‘ቲ ቤት ምኽሪ ሰላም ላይቤርያ ተባሂሉ ይፅዋዕ ዝነበረ ጉጅለ’ዩ።

ዓቃቢ-ሕጊ ዘቅረቦ ክሲ፣ቦለይ ይመርሖ ዝነበረ ጉጅለ፣ኣብ ቴስዓታት ንምሩኻት ብሓዊ ኣንዲዶም ወዲእዎም’ዩ ይብል።

ሰበ-ስልጣን ኣሜሪካ፣ዩ-ስ መዕቆቢ ስደተኛታትን ብሰላም ዝነብሩላን ሃገር‘ያ።እንተኾነ ገፋዕቲ ኣብ ጥቃ እቶም ፈሪሖም ሃዲሞም ዝመፁ ሰባት ክነብሩ ኣይግባእን በሉ።

XS
SM
MD
LG