ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ዝተመርጹ ፕረዚደንት ላይበርያ ቃለ-መሓላ ፈጺሞም


ቃለ መሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ላይበርያ
ቃለ መሓላ ሓድሽ ፕረዚደንት ላይበርያ

ሓድሽ ፕረዚደንት ላይበርያ ጆሴፍ ቦካ ንኮኸብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበረ ጆርጅ ዊያ ብምትካእ ሎሚ ሰሉስ ቃለ-መሓላ ፈጺሞም።

ብሰንኪ ዝነበረ ዝለዓለ ኩነታት ሙቐት እቶም 79-ዓመት ዝዕድሚኦም ሓድሽ ፕረዚደንት ድኻም ስለዝተሰመዖም እቲ ትማሊ ሰኑይ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ጽንብል ንሓጺር ግዜ ተቋሪጹ ኔሩ ክብሉ ጸሓፊ ፓርቲኦም ንትካል ዜና ፈረንሳ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ባኮ ንጆርጅ ዊያ ዝሰዓርዎ ኣብ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ድምጺ ብምርካብ እዩ። ነት ሃገር ከኣ ንዝመጽእ ሽዱሽተ ዓመታት ክመርሑ እዮም። ጀረማያ ኮንግ ከኣ ምኽትሎም ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈጺሞም'ለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG