ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያዊ አትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ካብ ውድድራት አትሌትክስ ብወግዒ ክሰናበት'ዩ


ሃይሌ ገብረሰላሴ
ሃይሌ ገብረሰላሴ

ብዝተፈላለዩ ርሕቐታት 27 ግዜ ናይ ዓለም ክብረ ወሰናት ዝሰበረን ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኩሉ ግዜ ብሉጽ ኣትሌት ዓለም ተባሂሉ ዝተመርጸን ሃይለ ገብረስላሴ ካብ ውድድር ኣትሌትክስ ብወግዒ ክሰናበት እዩ።

አትሌት ሃይሌ እዚ ዝገለጸ ሎሚመዓልቲ ኣብ ሂልተን ሆቴል ኣብዝተኻየደ ስነስርዓት ናይ ነዊሕ ርሕቐት ጉያ'ዩ። ናይ ቀደም ኣካያዲ ስራሕ ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ኢንግሊዛዊ ሪቻርድ ኖሩርከርናይ ዓወት ሃይለ መዳርግቲ ዘይብሉ እዩ ኢሎም ።

ሃይሌ ካብ ኣትሌትክስ ከምዝሰናበት ብወግዒ ዝገለጸ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ከተማ ማንችስተር እንግሊዝ ኣብዝተኻየደ ውድድር ነይሩ።ሎሚ ንውሽጢ እቲ ህዝቢ ንምዝራብ ምድላዩ ከምዚ ኢሉ 'ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ማንችስተር ገሊጸዮ እየ።ኣብ ውሽጢ ሃገር ነቲ ህዝቢ ንምግላጽ ድማ ካብዚ ዝበልጽ ኣጋጣሚ ስለዘየለ መበል 15 ዓመት ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ አብ እነኽብረሉን እዚ አጋጣሚ ነዚ ዝገለጽ ዘለኹ' ኢሉ'ሎ።

ሃይለ ካብ ክልተ ዩኒቨርስታት ብሪጣኒያ ናይ ክብሪ ዶክተሬት ድግሪ ዝተሸለመ ኽከውን ኸሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እውን ሓደ ዓብዪ መንገዲ ብሽሙ ከም ዝጽዋዕ ተገይሩ እዩ።

ብሃይለ ገብረስላሴ ዝተጀመረን ዝምራሕን ዓመታዊ ዓብዪ ጉያ ኢትዮጵያ ድሕሪ ጽባሕ ሰንበት መበል 15 ዓመት ውድድሩ ከካይድ እዩ።ሃይለ ካብ ኣትሌቲክስ ዝሰናበት ድማ ኣብዚ ውድድር እዚ ምስ ካልኦት 40 ሰባት ድሕሪ ምስታፉ'ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።

ኢትዮጵያዊ አትሌት ሃይሌ ገብረስላሴ ካብ ውድድራት አትሌትክስ ብወግዒ ክሰናበት'ዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:56 0:00

XS
SM
MD
LG