ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትርጉም ሕጋዊ ቃላትን ኣምራትን ኣብ 'መስርሕ ምርመራ' ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ


Trump Impeachment
Trump Impeachment

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ፣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ መስርሕ ‘ምስማዕ ቃለ ምስክርነት ንክሲ’ ጀሚሩ ኣሎ። ንኡክረይን ኣገዲዶም ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ መነሓንሕቶም መርመራ ንክትጅምር ገይሮም’ዮም ብዝብል ምኽንያት። ንሎሚ ትርጉም ገለ ኣብ መስርሕ’ቲ ምስማዕ ምስክርነት ንክሲ ተደጋጊሞም ዝቃልሑ ቃላትን ኣምራትን ክንገልጸልኩም፣

Articles of impeachment፡ ንምኽሳስ ዘብቅዑ ዓንቀጻት

Treasonክሕደት ኣብ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ቀዳማይ ረቋሒ ንክሲን ካብ ስልጣን ንምእላይ ዘብቅዕን ገበን ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ።

Briberyኣብ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ንክሕደት ስዒቡ ኣብ ኣብ ካልኣይ ዝተጠቀሰን ንክሲ ዘብቅዕን ‘ብላዕ / ጉቦ’ ምቕባል ዝብል’ዩ። ብላዕ / ጉቦ ተፈጺሙ ዝባሃል ሓደ ወገን ንሓደ ባዓል ስልጣን ውሳንኡ መታን ክጸልው ኢሉ ዝዋሃብ ማለት’ዩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ገንዘባዊ ክፍሊት ክኾን ይኽእል። ግን ካልእ ዓይነት ህያብ፣ ኣገልግሎትን መልክዕን’ውን ከጠቓልል ይኽእል።

Quid pro quoመሰረቱ ግሪክ ኮይኑ ቀጥታዊ ትርጉሙ ‘ሕኸኸለይ ክሓከልካ’ ማለት’ዩ። ኣብ መዓልታዊ ትግባረኡ ድማ ምልውዋጥ ኣገልግሎት ወይ ዋጋ ዘለዎ ነገር ክኾን ይኽእል። ኣብ ሕጋዊ ኣገባብ ንፋይናንሳዊን ፖለቲዊን ዓውዲታት ዝምልከት’ውን’ዩ። ብዘይጥርጥርት ሕጋዊ ልውውጥ ክመስል ይኽእል ግን ‘ክዉል ውዕላት’ ሓደ ነገር ንምኽሳብ ተባሂሉ ገለ ዘይሕጋዊን ዘይግባእን ልውውጥ’ውን ክኾን ይኽእል።

Removal vs. disqualificationመስርሕ ምስማዕ ቃለ ምስክርነት ንክሲ ካብ ቤት ምኽሪ ናብ ሴነት ኣሜሪካ ምስ ሰገረ፣ ነቲ ዝተወቕሰ ሰብ ምኽሳስ ኣድላዪ እንተኾይኑ ቀጻሊ መስርሕ ይቕጽል። ሴነት ኣሜሪካ ገበን ተፈጺሙ’ዩ ኢሉ እንተወሲኑ እቲ ዝተወቐሰ ባዓል ስልጣን ካብ ሓላፍነቱ (Removal) ተኣልዩ ይባሃል። ሴነት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ ስርሑ ዝተሰጎገ ባዓል ስልጣን ኣብ መጻኢ ጊዜ ኣብ ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት ከይቕበል ክእግዶ ከሎdisqualification’ ይባሃል። ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሴነት ኣሜሪካ ንሓደ ባዓል ስልጣን እዞም ዝተጠቐሱ ክልተ ነገራት ጥራሕ’ዩ ክውስን ዝኽእል። እንተኾነ፣ በዚ መስርሕ’ዚ ዝሓለፈ ሓደ ባዓል ስልጣን ጉዳዩ ኣብ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ክቕጽልን ተወሳኺ ቅጽዓት ክረክብን ይኽእልን።

Standard vs. burden of proofሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ ሓደ ባዓል ስልጣን ፈጻሚ ኣካል ወይ ዘፈር ዳይነት ብሰንኪ ‘ክሕደት፣ ብላዕ/ጉቦ ወይ ካልኦት ገበናትን ዘይግቡእ ባህርያትን’ ካብ መዝነቱ ክባረር ከምዝኽእል ይገልጽ። እንተኾነ፣ ንትርጉም ‘ካልኦት ገበናትን ዘይግቡእ ባህርያትን’ ብንጹር ኣይገልጾን። ትርጉም’ዞም ኣምራትን ቃላትን ንኣባላት ቤት ምኽሪን ሴነትን ገዲፉሎም ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፣ ሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ መስርሕ ምጽራይ ንኽሲ ዝፍጸመሉ ኣገባብ ሓገግቲ ንክውስንዎ ገይሩ’ሎ። ከም ኣብ ካልኦት ገበናዊ ጉዳያት፣ ኣብ እዋን መጻረዪ ንክሲ (ኢምፒችመንት) "beyond a reasonable doubt" ‘ፈጺሙ ኣጠራጣሪ ዘይኮነ ኩነት’ ክቐርብ ኣገዳሲ ኣይኮነን።

Supermajorityሕገ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ሓደ መንግስታዊ ባዓል ስልጣን ንክኽሰስን ካብ ስልጣኑ ንክእለን እንተዋሓደ ክልተ ሲሶ ኣባላት ሴነት ክውስኑ ኣለዎም ይብል።

U.S. Constitutionንመሰረታዊ መትከላት መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ንሕጊታትን መሰረታዊ መሰላት ኣሜሪካዊያን ብንጹር ዝገልጽ ሰነድ ማለት’ዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ኣብ 1787 ዓም ተጻሒፉ፣ ድሕሪ ሓደ ዓመት ብ13 ቦከርቲ ክፍላተ ሃገራት ኣሜሪካ ጸዲቑ።

XS
SM
MD
LG