ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ውርሻታት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ’ - ካልኣይ ክፋል


 ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ
ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ
ህወሓትን ኢህወዴግን ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት፣መልከዖምን ዓይነቶምን ዝቀያየሩ ፈተናታት ከምዝገጠምዎም ዝጠቅሱ ኣቶ ሙሉብርሃን፣ግን ነቶም ፈተናታት ከከምኣመፃፅኦም እናኣለየ ብዝላዓለ ደረጃ ተጠናኺሩ ከምዝወፀን ናብ ዝሓየለ ብርኪ ከምመሰጋገሪ ተጠቂሙሎም ይብሉ።

እቶም ናይ ሎሚ መራሕቲ‘ቲ ውድብን ግንባርን ድማ፣ብሕልፊ ናይ ነዊሕ ጊዜ መሪሕነት ተመክሮ ዘለዎ ኣካል፣ነዚ ፈታናይ ጊዜ ብትዕግስትን ብብቅዓትን ኣልዮም፣ናብ ቀፃላይን ዝበርተዐን ብርኪ ከሰጋግርዎ፣ኩልና ድማ ኣብ ጎኖም ደው ክንብልን ይግባእ ኢሎም።

ኣቶ በርሀ ሓጎስ ብወገኖም፣ኣባላትን መራሕቲን ኢህወዴግ፣ወላ’ውን ኣብ ውሽጦም ውሱን ኣፈላላይ እንተሃለወ፣ካብ‘ቲ ፍልልይ ሓሊፎም፣ኣርሒቆም ጠሚቶም፣ናይ ተስዓ ሚልዮን ህዝቢ ሓደራ ስለዝፆሩ፣ ተጠናኺሮም ክቅፅሉ ይግባእ ኢሎም።

Legacy
please wait

No media source currently available

0:00 0:11:10 0:00
መራገፊ



‘ውርሻታት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ’ መዘራረቢ ኮይኑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:08 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG