ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሊባኖስ ብሰንኪ መጥቃዕቲ እስራኤል 160 ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ምሟቶም ሚ/ጥዕና'ታ ሃገር ገሊጹ


ሰሜናዊ ሊባኖስ
ሰሜናዊ ሊባኖስ

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሌባኖስ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ልዕሊ 160 ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕንን ሰብ-ሞያ ጥዕናን ከምዝተቐትሉ ዝገለጸ ሚንስተር ጥዕና ሌባኖስ ነቲ ተግባር "ገበን ኹናት" ክብል ገሊጽዎ።

ሚንስተር ጥዕና ሌባኖስ ፊረስ ኣባድ ኣብ መግለጺኦም ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት 163፣ ዝቆሰሉ ድማ 272 ከምዝበጽሐ ሓቢሮም። ብሰንኪ’ቲ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝወረደ ዕንወት’ውን ጠቂሶም።

ንሶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ እስራኤል ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፣ ዝተወጠነን ቀጥታዊን ስለዝኾነ ገበን ኹናት’ዩ ክብሉ ገሊጾምዎ።

እስራኤል ን158 ኣምቡላንሳት፣ 57 ናይ ጽዕነት መካይንን 15 መካይን ህይወት ኣድሕንን፣ ዒላማ ከምዝገበረት’ውን ተሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG