ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰራዊት ሊባኖስ ሓደ ዕጡቕ ናብ ኤምባሲ ኣመሪካ ምትዃሱ ሓቢሩ


ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ቤይሩት
ሰራዊት ሊባኖስ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ከተማ ቤይሩት

ኣብ ከተማ ቤይሩት ሊባኖስ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣፍደገ ተኵሲ ድሕሪ ምስምዑ ሰራሕተኛታትን መሳለጥያታትን'ቲ ኤምባሲ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዘለው ተገሊጹ።

ሓደ ዕጡቅ ናብቲ ኤምባሲ ከምዝተኮሰን ብድሕሪኡ ወታሃደራት ሊባኖስ ግብረ መልሲ ምሃቦምን ኣብቲ ምልውዋጥ ተኹሲ እቲ ዕጡቕ ቆሲሉ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደ ሰራዊት ሊባኖስ ገሊጹ'ሎ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ብወገኑ እቲ ኩነታት ይምርመሮ ከም ዘሎን ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ሊባኖስ ብቀረባ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣብ ማሕበራዊ ገጻቱ ሓቢሩ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG