ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዝደንት ሊባኖስ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ከቢድ ነቐፌታ ኣቕሪቦም


ናይ ሊባኖስ ፕረዝዳንት ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ ነቐፌትኦም ከምዘሐየሉ ዝበፅሐና ዜና ሓቢሩ።ናይ ሊባኖስ ቀዳማይ ሚንስትር ሳዓድ ሓሪሪ ኣብ መጀመሪያ እዚ ወርሒ እዚ ብሃንደበት ካብ ስልጣኖም ድሕሪ ምውራዶም ኣብ መንጎ ክልትኤን ሃገራት ናይ ቃላት ኲናት ተጎሃሂሩ ቀፂሉ’ሎ።

እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ኣቐዲሙ ብዝተቐድሐ ናይ ቴሌቪዥን እወጃ ካብ ስልጣኖም ምውራዶም ብሃንደበት ዝገለፁኣብ ስዑዲ ዓረብ ዑደት ይፍጽሙ ኣብዝነበርሉ እዋን እዮም።

ፕረዝደንት ሚቸል’ውን ኣብ ናይ ቲዊተር መልእኽቶም ሓሪሪ ብዘይድልየቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ከምዝርከቡ ርግፀኛ እየ፤ኣብ ልዕሊ ሊባኖስ ዝተፈፀመ ወራር እዩ ኢሎም ኣለው።

ኣብ ፈለማ እዚ ሰሙን እዚ ንምዕራባዊያን ሚንስትራት ወፃኢ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓሪሪ ብስዑዲ ተጨውዮም ኢሎም ኣለው።

‘’ቀዳማይ ሚንስትር ሳዒድ ሓሪሪ ንዝሓለፉ 12 መዓልታት ናብ ሃገሮም ዘይምምላሶም ንናይ ቪየና ስምምዕ ብዝፃረር ተኣሲሮም ኣለው’’ኢሎም።

ድሕሪ ናይ ኣውን ርእይቶ ሓሪሪ ብቲዊተር ኣብዝፅሓፉዎ መልእኽቲ "ፅቡቕ ኣለኹ፤ኣምላኽ እንተድኣ ፈቒዱ ከምቲ ቃል ዝኣተውኹዎ ናብታ ዘፍቅራ ሊባኖስ ክምለስ እየ፤ክትሪኡ ኢኹም"ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG