ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጉዳያት ሰለስቲኣን ሃገራት ምምይያጦም ተገሊጹ


ትማሊ ዝተዛዘመ አኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኻፈሉ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጉዳያት ሰለስቲኣን ሃገራት ተመያይጦም ኣለው።

እቲ ልዝብ ዕዉቱን ፈረ ዝተረኽቦን እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ አለም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም ኣለው።

መራሕቲ ኢትዮጵያን፡ግብጽን ሱዳንን ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ውሳነታት ዝሓለፎ ምንባሩን አቶ መለስ አለም ገሊጾም። ካብቲ ዝሓለፈ ውሳነ ሓደ ህዝብታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ግብጽን መጻኢኦም ዝተአሳሰረ’ዩ ማይ ፈለግ ኒል እውን ዘራኸቦም ድልድል ምዃኑ ከም ሰለስተ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘይኾነስ ከም ሓደ ሃገር ምሕሳብ ይግባእ ኣብ ዝብል ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG