ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኬንያን ኢትዮጵያን ተራኺቦም


መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ሞምባሳ
መራሕቲ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ሞምባሳ

ኣብ ኬንያ ናይ ክልተ መዓልታት መገሻ ዝፈጸሙ ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ዑደቶም ምስ መራሒ ኬንያ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ሓባራዊ መገለጺ ሂቦም። ምስ ኬንያ ብዙሕ ዘራኽቡና ክብሪታት ኣሎና በሉ ንሶም።

‘ራእየይን ራኢ ክቡር ፕረዚደንት ኬንያታን ንሕልምና ምዕዋት’ምበር ካልእ ራኢ የብልናን። ሓድሽ ራኢ የብልናን። እቲ መሰረት ተነጺፉ ኣሎ። ስራሕና ንድሕሪት ምልስ ኢልና ንታሪኽና ምንባብ፣ ክንሰርሓሉ፣ ርክባትና ክነሕይለሉን ናብ ዝላዓለ ብራኸ ምብጻሕን’ዩ’ በሉ ንሶም።

'በቲ ኣብ’ዞም ዝሓለፉ ቁሩብ ዓመታት ዝፈጸምናዮም ጥራሕ ኣይንኮርዕን። ንኢትዮጵያን ኬንያን ከምኡውን ነዚ ዞባ’ዚ ሓድሽን ዝበለጸን ስራሕ ክንፍጽም ኢና ንደሊ። ታሪኽና ከምዝሕብሮ ምስ ኬንያ ባእሲ ኣይጸንሓናን፣ ኣብ ሞንጎና ውግእ ኣይነበረን። ሓባራዊ ባህሊን ቋንቋን ኣሎና። ሓቢርና ደሚና ኢና። ሓባራዊ ክብሪታት’ውን ኣሎና። ክነሕይሎ ኢና ድልየትና' በሉ።

ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኖም ‘ጎረባብቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣሕዋት ንምዃና ናይ ብሓቂ መረጋገጺ’ዩ እዚ። ካብኡ ሰጊርና እዚ ጽምዶ’ዚ ብከመይ ኣገባብ ክነዕምቆ ከምዝንኽእል ኣማዕዲና ንጥምት’ውን ኢና። ቁጠባዊን ጸጥታዊን ጽምዶታትና’ውን ብከመይ ከምነዕምቆ ንሓስብ፣ ከመይ ገይርን ህዝቢታትን ሃገራትናን ብከመይ ናብ ሓደ ከምዝመጻ ንሓስብ ሃገራት ኢና። ብዙሕ ዘመሳስሉና ኣለውና። ድሕሪ’ዚ ክልተኣዊ ጽምዶ’ዚ ናብ ህዝቢታትና ንገልጾ ብዙሕ ነገር ክህልዉና’ዮም። ስለ ረብሓ ክልቲኦም ህዝቢታትና ሓቢርካ ምዕዋት ዝካኣለሉ መስርሕ ክህልወና’ዩ’ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG