ቀዳማይ ምንስቴር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝን ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፈታሕ ኤል-ሲሲን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።
ክልቲኦም መራሕቲ ሎማዕንቲ ሰሉስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ብዛዕባ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፣ከባቢያውን ኣሁግራውን ጉዳያት ፀጥታ ከምኡ እውን ብዛዕባ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ምዝርራቦም ሓቢሮም ኣለው።
ፕሬዝዳንት ኤል-ሲሲ ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካይዱ ዘለው ኢትዮጵያ፣ግብፅን ሱዳንን ንመትከላት ኣጠቓቕማ ማይ ኣባይን ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴን ትማሊ ሰኒ ኣብ ካርቱም ድሕሪ ምፍርራሞም እዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ርክቦም ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ከምዝተሰማምዑ እውን ገሊፆም ኣለው።ፕሬዝዳንት ኤል-ሲሲ ፅባሕ ረቡዕ ንክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ መደረ ከስምዑ እዮም።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ኤል-ሲሲ ስዊስ ካናል ኣብ ዝቕፅል ነሓስ ኣብዝምረቐሉ እዋን ኣብ ግብፂ ዑደት ከካይዱ ንቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዕድመ ኣቕሪቦምሎም ኣለው።