ዋሽንግተን —
መራሒት ርሑቕ የማናዊ ክንፊ ፈረንሳ ማሪን ለ ፐን መሪሕነት ኣብ መዝነት ዘሎ መንግስቲ ፈረንሳ ንቝሩብ መዓልታት ጥራይ’ዩ ክብላ ገሊጸን።
ለ ፐን ሎሚ ሰሉስ ነዚ ዝበላ ኣብ ቀረባ ውሑድ ኣዋርሕ ምርጫ ከምዝካየድ ብምእንፋት’ዩ።
ንሰን ነዚ ዝበላ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ኣብ ኣውሮጳ ብቝጠባ ካልኣይቲ ደረጃ ትሕዝ ሃገረ ፈረንሳ ካብ ፖለቲካዊ ቅልውላው ብምውጻእ ራብዓይ ቀዳማይ ሚንስተር ድሕሪ ምምዛዞም ሓደ መዓልቲ’ዩ።
ንዝሓሸ መዝነት ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ምርጫ ዘካየዱ ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ዝያዳ ፖለቲካዊ መጻብቦ ይርከቡ። ብኣንጻሩ ለ ፔን ኣብ ፖለቲካ’ታ ሃገር ጸብለልታ ከምዘለዋ ይግለጽ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተመስረተ ናይ ሓሶት ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ዝብል ክሲ ንድሕሪት ክጎታ ከምዝኽእል ዝገልጹ ወገናት’ውን ኣለዉ። ቤት ፍርዲ ውሳን ክህብ ን31 መጋቢት ቆጸራ ሒዙ’ሎ ገበነኛ ኮይና እንተተረኺባ ድማ ክትእሰርን ካብ ዝኾነ መንግስታዊ መዝነት ክትእለን’ያ።
ቅጥዒ