መብዛሕተአን ሃገራት ኣፍሪቃ፣ብጠንቂ ኣብ ሞንጎ ቁጠባዊን ሰብኣዊን ምዕባለታት ዝተፈጥረ ጋግ፣ንምለንየማዊ ሸቶታት ከምዘየዕውታ ተገሊፁ።
ጁንየር ዴቪስ ኣብ ሕ/ሃ ንቁጠባዊ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝግምግሙ‘ዮም ክዛረቡ ከለው፣ሃገራት ኣፍሪቃ ንዘመዝገበኦ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣብ ረብሓ መሓውራዊ ለውጢ ክጥቀማሉ ኣይካኣላን ይብሉ፣
”ከምኡ ኢልና ኢና ንሓስብ።ምኽንያቱም እዘን ሃገራት‘ዚኣተን፣ነቲ ውፅኢታዊ ዓቅሚ ኢልና ንገልፆ ከማዕበለኦ ኣይካኣላን።እዚ ንጠቅሶ ዘለና፣ነባራይ ቁጠባዊ ምዕባለ ኣብ ምርግጋፅ ደረኽቲ‘ዮም።MDG ምለንየማዊ ሸቶታት ድማ ክዳለው ከሎ ንዓቅሚ ኣፍራይነት ኣብ ግምት ዘየእተወ‘ዩ” ኢሎም።
ብዘይካ‘ዚ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዕምቆት ድኽነት ክሳብ ንዓመታ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብፍርቂ ምንካይ ኣይካኣለንን።ኩነታት ጥምየት ንምንካይ ዝገበረኦ ፃዕሪ‘ውን ዘዕግብ ኣይኮነን።ድኽነት ንሰብኣዊ ምዕባለ ይዓግት፣ፍርያማነት‘ውን ይድርት። ቁጠባዊ ምዕባለ ኣገዳሲ ዝኾነሉ ድማ ኣብ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝላ ንምርኣይ‘ዩ።
ኢትዮዽያ፣ሩዋንዳ፣ኡጋንዳን ማላዊን ጥራሕ‘የን ንመብዛሕተኦም ምለንየማዊ ሸቶታት ዘዕውታ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ።እዘን ዝተጠቅሳ ኣርባዕተ ሃገራት ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ዝበፅሓሉ ቀንዲ ምኽንያት፣ከምመሓውራዊ ቅርፂ፣ጥዕናን ትምህርቲን ኣብ ዝኣምሰሉ ዘፈራት ገዚፍ በጀት ስለዝሰልዓ‘ዩ።
ከምደቡብ ሱዳንን ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝበላ ሃገራት ይብሉ ሚስተር ዲቬስ፣ማሕበራዊን ቁጠባዊን ምዕባለ ንምርግጋፅ ብቀንዱ ኣብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝልግሰለን ደገፍ ተመርኲሰን‘የን።
ሓንቲ ሃገር ኣብ ዝርዝር ኣዝየን ድኻ ሃገራት ዝባሃላ ሃገራት ክትኣቱ ትግደድ፣ትሑት ነፍሰ-ወከፍ ኣታዊ ስለዘለዋ፣ከምጥዕናን ምግብናን ኣብ ዝኣምሰሉ መዐቀኒታት ቁጠባዊ ምቅላዕን ሰብኣዊ ምዕባለን ምስ ዝህልዋ‘ዩ።
48 ሃገራት ኣለዋ ኣብ ሙሉእ ዓለም ድኻ ሃገራት ዝባሃላ።እተን 34 ኣብ ኣፍሪቃ።ቦትስዋና ኬፕቨርዴን ሶሞኣን ግና ካብ‘ዚ ዝርዝር‘ዚ ኣብ‘ዚ ቀረባ ከምዝወፃ ዝዝከር‘ዩ።