ኣባላት ኮሚቴ ኣተኣላላሺ ፀገማት ማሕበረሰብ ሙስሊም፣ጋዜጠኛታትን ካልኦትን ተኸሰስቲ ዝተኸሰስሉ ኣዋጅ ንሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጥሕስ እዩ ክብሉ ንጉባኤ መፃረዪ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥርዓን ኣቕሪቦም።
እቶም ተኸሰስቲ ጥርዓኖም ዘቕረቡ ብጠብቓታቶም ኣቢሎም ዝሓለፈ ሓሙሽ 5 መጋቢት 2005 ዓ/ም ከምዝነበረ ካብቶም ጠብቓታት ሓደ ኣቶ ተማም ኣባ ቡልጉ ሎማዕንቲ ሰሉስ ንቪኦኤ ገሊፆም።
እቲ ሎሚ ንጉባኤ መፃረዪ ጉዳያት ሕገ መንግስቲ ዝቐረበ ጥርዓን ብትሕዝቶ ቅድሚ ሕዚ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ቀሪቡ ካብ ዝነበረ ኣይፍለን ኢሎም ኣቶ ተማም።
ከም እምነት እኒ ኣቶ ተማም ኣባ ቡልጉ ኣዋጅ ቑፅሪ 652 እዝባር 2001 ወይ ድማ ፀረ ሽብር ኣዋጅ ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣዋጅ ናይታ ሃገር ላዕለዋይ ሕጊ ምስ ዝኾነ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፃረር እዩ። ‘’ኣዋጅ ቁፅሪ 652 ከምዘለዎ ምስ ሕገ መንግስቲ ዝፃረር እዩ ኢልና፣ሓደ፣ክልተ፣ሰለስተ፣ኣርባዕተ ኢልና ብነጥቢ ኣቐሚጥና ኣለና።ዓማዊላን ዝተኸስስሉ ድማ በዚ እዋጅ እዚ ስለዝኾነ ብኡ ክኽሰሱ የብሎምን ኢልና ኢና ጥርዓንን ኣቕሪብና ዘለና።’’
ተኸሰስቲ ብሕገ መንግስቲ ዝተኸበሩሎም ናይ ምዝራብን ሓሳቦም ናይ ምግላፅን መሰሎም ዝተጥሓሰ ምዃኑ ኣብቲ ጥርዓን ከምዝተጠቐሰ’ውን ወሲኾም ጠቒሶም ኣቶ ተማም።