ኣዲስ ኣበባ —
ዶ/ር መረራ ዛጊት ቃሎም ኣይሃቡን ክብሉ’ውን እቶም ጠበቃታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።
ካብ መንጎ ጠበቓታት ዶ/ር መረራ ጉዲና አቶ ወንድሙ ኢብሳ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ሎሚ ቅነ ኣብ እዋን ምርመራ ኣብ ልዕሊ ዶ/ር መረራ ተግባር ስቅያት ተፈጺምዎም እናተባህለ ክውረ ዝጸንሓ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ’ዩ ትማሊ ከነዘራርቦም ከለና’ውን ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበረ ኹነት ብዝተፈልየን ብተዛማዲ ነጻነት አዘራሪቦምና ክብሉ ገሊጾም።
ኣቶ ወንድሙ ብተወሳኺ ኣባላት ፖሊስ ንዶ/ር መረራ ኣብ ዝተፈላለየ ጊዜ ረኺቦም እንተዘራረብዎም’ዃ ብሕጊ’ታ ሃገር ብዝእዝዞ መሰረት ክሳብ ሕጂ ቃሎም ኣይሃቡን ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።