ዋሽንግተን —
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ሩስያ ሰርገይ ላቨሮቭ ናብታ ላዕለዎት ዲፕሎማት ኤውሮጳ ንዩክሬን ዝህብዎ ደገፍ ከሐይሉ’ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ሃገራት ጉጅለ-20 ንምክፋል ደቡብ ኣፍሪቃ ኣትዮም። ኣብቲ ኣኼባ ዘይርከቡ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ’ዮ።
ሰርገይ ላቭሮቭ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቃናዕ ኣኼባ ሚንስተራት ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ጉጅለ-20 ዝኸዱ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሩስያን ኲናት ዩክሬይን ንኸብቅዕ ዓብይ ሓባራዊ ዘተ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ። እቲ ዝተገብረ ዘተ መሻርኽቲ ኣመሪካ ንዝኾና ሃገራት ኤውሮጳን ንዩክሬን ዘይሓወሰ'ዩ ኔሩ።
ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩብዮ ኣብዚ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣኼባ ንዘይምክፋል ምውሳኖምን ኣብ ዝመፅእ ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዝካየድ ቀንዲ ዋዕላ ማሕበር ሃገራት ጉጅለ-20 ከምዘይካፈሉ መጠንቀቅታ ምሃቦምን ንውፅኢታውነት ሃገራት ጉጅለ-20 ከይነኣእሶ ስግኣት ፈጢሩ’ሎ።
ቅጥዒ