ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ’ውን ይመርሕ ኣሎ


ዳሕረዋይ ፖለቲካዊ መጽናዕቲ ኣሜሪካ፣ ቢልየነር ዶናልድ ትራምፕን ሴነተር ቴድ ክሩዝን፣ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ኣይዋ፣ ይመርሑ ከምዘለው ሓቢሩ።

እዚ ብዩኒቨርስቲ ኹኒፕል ዝተካየደ መጽናዕቲ ‘ኣብ’ቲ ሶኑይ ዝካየድ ምርጫ ኣይዋ፣ ዶናልድ ትራምፕ ብ31 ሚእታዊት ይመርሕ፣ መወዳድርቱ ቴድ ክሩዝ ድማ ብ29 ሚእታዊት ይስዕብ ከምዘሎ’ ይሕብር።

ብደረጃ ሃገር ግና ዶናልድ ትራምፕ ንኩሎም ዓሰርተ መወዳድርቱ ብሰፊሕ ይመርሖም ኣሎ።

ሴኔተር ቴድ ክሩዝ ንሃይማኖታዊ መራሕቲ ኣይዋ ኣኪቦም ክዛረቡ ከለው 'ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣይዋ እንተስዒሩ፣ ብድሕሪኡ ደው ዘብሎ ሓይሊ ኣይክህሉን’ ከምዝበሉ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ።

ካብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ድማ በደረጃ ሃገር ወ/ሮ ሂላሪ ክሊንተን ይመርሓ’ለዋ ። እንተኾነ ግን ብልጨአን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ይንኪ’ሎ።

XS
SM
MD
LG