ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣመሪካ ዘጋጠመ ህቦብላ ዝሓዘ ዝናብ 18 ሰባት ሞይቶም


ቴክሳስ
ቴክሳስ

ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ግዝኣታት ቴክሳስ፡ ኦክልሃማ፡ ኣርካንሰስ ዝተራእየ ህቦብላ ሓዘል ዝናብን 18 ሰባት ምሟቶምን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ካልኦት ምቁሳሎምን ከቢድ ጉድኣት ምስዓቡን ተፈሊጡ’ሎ።

እቲ ካብ ሰሜን ዳላስ ክሳብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣርካንሰስ ዝተዘርግሐ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ ናብ ምብራቃዊ ክፋል’ታ ሃገር ብምቅጻል ካብ አላባማ ናብ ኒውዮርክ ሎሚ ሰኑይ ክሃርም ከምዝክእል ትንበያ ኩነታት ኣየር ይገልጽ።

ኣመሓዳሪ ግዝኣት ከንታኪ ኣንዲ ባሺር ሎሚ ሰኑይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣቐዲሙ ትዊተር ዝፍለጥ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ናይ ህጹጽ እዋን ጊዜ ኣብታ ግዝኣት ዝኣወጀ ኮይኑ በቲ ህቦብላ ሓዘል ንፋስን ዝናብን ጉድኣት ከምዝበጽሐ ገሊጹ።

ኣብ ቴክሳስ ክልተ ህጻናት ዝርከብዎም ሸውዓተ ሰባት ክሞቱ ከለው ኣብ ኦክልሃማ ክልተ ሰባት ኣብ ኣርካንሰን ድማ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ቴክሳስ ኣስታት 100 ሰባት ቆሲሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባይቲ ድማ ዓንዮም።እዚ ኣብ ግዝኣታት ኣመሪካ ዝተራእየ ህቦብላ ሓዘል ዝናብ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ብዘይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ከምዝትረፈ’ውን ተፈሊጡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG