ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሰንኪ ኣድማ ጸሓፍቲ ንኣዋርሕ ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መደባት ቴለቪዥን ኣመሪካ ይምለስ ኣሎ


አድማ ጸሓፍቲ ሆሊውድ -ፋይል
አድማ ጸሓፍቲ ሆሊውድ -ፋይል

ብሰንኪ ኣብ መፍረ ፊልም ሆሊውድ ዝጸንሐ ኣድማ ጸሓፍቲ፡ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ በዂሩ ዝጸንሐ ምሸታዊ መዘናግዒ መደባት ቴለቪዥን ይጅምር ኣሎ። እዚ ኣብ ኣመሪካ ብ"ሌት ናይት” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ መዘናግዒ መደባት፡ ምስ ፍሉጣት መደበራት ቴለቪዥን ብምትሕብባር ዝግበር ኰይኑ፡ ጸሓፍቲ እቲ መደባት መዘናግዒ፡ ነቲ ክካየድ ዝጸንሐ ኣድማ ደገፎም ንምግላጽ ድሕሪ ዝገበሩዎ ምቍራጽ ደው ኢሉ ጸኒሑ።

ካብቶም ንኣዋርሕ ኣቋሪጾም ጸኒሖም ዳግም ዝጅምሩ ዘለዉ መደባት ቴለቪዥን “Last Week Tonight” ናይ ጆን ኦሊቨር፣ ብስቲቨን ኮልበርት ዝእለ “The Late Show With Stephen Colbert”፣ ናይ ጂሚ ኪመል “Jimmy Kimmel Live!” ገለ ካብቶም ዝምለሱ ዘለዉ ኣዝዮም ህቡባት መደባት ቴለቪዥን’ዮም።

ማሕበር ጸሓፍቲ ሆሊውድ ነቲ ኣድማ ዘበገሰ ኣብቲ መፍረ ፊልም ንዝርአ ዝበሎ ትሑት ክፍሊት ጸሓፍቲ፡ ልዕሊ መጠን ዝኸደ ሸፈነ ስራሕን ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ንዝፈሪ ስራሓትን ንምቅዋም’ዩ ነይሩ። እቲ ማሕበር ንጠለባቱ ኣብ ምምላእ ከም ዝበጽሐ’ምሕባሩ ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ይገልጽ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG