ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላስ ቬጋስ: ኣብ ሓደ ሙዚቃዊ ፈስቲቫል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 58 ሰባት ተቐቲሎም


ፖሊስ ከተማ ላስ ቬጋስ ክፍለ ግዝኣት ኔቫዳ ትማሊ ምሸት ሰንበት ሓደ ወልቀሰብ ኣብ ሓደ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ብዝኸፈቶ ተኹሲ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ 58 ሰባት ሞይቶም ካልኦት ልዕሊ 500 ሰባት ድማ ምቕሳሉም ተገሊፁ።ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኣሜሪካ ዝኸፍአ ተግባር ቅትለት ተባሂሉ’ሎ።

ፖሊስ ላስ ቬጋስ 64 ዓመት ዝዕድሚኡ ነባሪ እታ ክፍለ ግዝኣት ስቲፌን ፓዶክ ኣብ ኣፍደገ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ይከታተሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ልዕሊ 22 ሽሕ ሰባት ካብ መበል 32 ደብሪ ሆቴል ማንድለይ ቤይ ቶኽሲ ብምኽፋት እዩ እዚ ኩሉ ጥፍኣት ኣውሪዱ።

ፖሊስ እቲ ቀታሊ ይትኩሰሉ ንዝነበረ ክፍሊ ሰይሮም ምስኣተው ሞይቱ ከምዝረኸቡዎን ንርእሱ ቀቲሉ ዝብል እምነት ከምዘሎን ፖሊስ ጆፌፍ ላምባርዶ ሓቢሮም።ናይ ግብረሽብራ መጥቓዕቲ ኢሎም ኣይፀውዕዎን።

“ቅድሚ ኹሉ መለዓዐሊ ምኽንያት ክንፈልጥ ኣለና።ህይወት ብዙሓት ዘጥፍእ ኣእምርኡ ዝተረበሸ ሓደ ሰብ ካብ ዝፍፅሞ ንላዕሊ ህይወት ብዙሓት ንምጥፋእ ምስ ዘንቀለ ግብርሽበራዊ ምኽንያት ዝተኣሳሰረ እዩ።ቅድሚ ከምኡ ኢልና ምምዳብና ናይ መስርሕ ጉዳይ እዩ ክኸውን።”

ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሶኑይ ንህዝቢ ኣሜሪካ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል እቲ መቕተልቲ ንፁር ሰይጣናዊ ተግባር እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

“ፖሊስ ላስ ቬጋስን ቀልጢፎም ኣብቲ ቦታ ዝበፅሑን ህይወት ብዙሓት ንዘድሓነ ተባዕ ፃዕርታቶም ከመስግኖም እፈቱ።ተኣምራዊ ቕልጣፍኦም ተወሳኺ ምጥፋእ ህይወት ከይወርድ ተኸላኺሉ እዩ።እቲ ቀታሊ ፈላማይ ቶኽሲ ምስ ከፈተ ኣበይ ከምዘሎ ብህፁፅ ምፍላጦም ኩልሻዕ ዝምስገን እዩ።ሞያዊ ብቕዓቶም ዘርኢ እዩ።”

ነቲ መጥቓዕቲ ዳዕሽ ሓላፍነት ወሲዱ’ሎ፤ንኣብሃህልኡ ዝድግፍ ዝኾነ ይኹን መርትዖ ግን ኣየጠቐሰን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ላስ ቬጋስ: ኣብ ሓደ ሙዚቃዊ ፈስቲቫል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 58 ሰባት ተቐቲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:24 0:00

XS
SM
MD
LG