ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጠንቂ መጥቃዕቲ ላስ ቬጋስ ክሳብ ሕጂ ከምዘተፈልጠ ተሓቢሩ


ፖሊስ ኣሜሪካ ስቴፈን ፓዶክ ኣብ ላስ ቬጋስ ስለ ምንታይ ጠያይቲ ብምዝናብ ን59 ሰባት ከምዝቐተለን ንኣስታት 600 ሰባት ከምዘቑሰለን ዝኾነ ይኹን ኣፋፍኖት ኣይረኸቡን።ሓው ናይቲ ተጠርጣሪ ስድራቤት ከም ሃገሩ በቲ ተግባር ከምዝሰንበደ ይገልፅ።ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ዝተፈፀመ መቕተልቲ ንፁር ሰይጣናዊ ተግባር ክብሉ ፀዊዖምዎ።ፅባሕ ረቡዕ ናብ ላስ ቬጋስ ንምኻድ’ውን መደብ ኣለዎም።

እቲ ቶኳሲ ኣብ መበል 32 ደብሪ ናይ ሆቴል ክፍሉ መስኮት ቀዲዱ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ይከታተሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ቶኺስ ከፊቱ።መሰኻኽር ከምዝገለፅዎ መጀመሪያ ቶኽሲ ምስ ሰምዑ ሪቺት ከምዝመሰሎምን ጥይት ምዃኑ ምስፈለጡ ግን ሰባት ብራዕዲ ኣልባቦም ከምዝጠፍአ ይገልፁ።ክርስቲን፣ቨኔሳን ኮርኒን ሰለስቲአን ብሓባር ከምዚ ክብላ ነቲ ኩነታት ይገልጻ።

ጠንቂ መጥቃዕቲ ላስ ቬጋስ ክሳብ ሕጂ ከምዘተፈልጠ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:38 0:00

“ገሊኦም ይወድቁ ነይሮም፣ገለ የእውዩ ገሊኦም ድማ ድምፆም ዓው ኣቢሎም ይሃድሙ ነይሮም።እግረይ ኣውፅእኒ ንሃድም ኔርና።ጥይት ምዃኑ እውን ርግፀኛ ኣይነበርኩን።ሰባት ኣብ ጥቓና ክወድቑ ጀሚሮም።”

ኣብ ላስ ቬጋስ ዝተፈፀመ መቕተልቲ ኣብ ቀረባ ታሪኽ ኣሜሪካ ብሓደ ዕጡቕ ዝተፈፅመ እቲ ዝኸፍአ ጃምላዊ መቕተልቲ እዩ።

ፕረዝደንት ትራምፕን ቀዳመይቲ እመቤት መላንያ ትራምፕ ከምኡ’ውን ምኽትል ፕረዝዳንት ማይክ ፔንስ ምስ በዓልቲ ቤቶም ብምዃን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዋይት ሃውስ ንግዳያት ብሓባር ዝኽሪ ኣካይዶም።ፕረዝደንት ትራምፕ ባንዴራ ትሒታ ንክትንብልበል ኣዚዞም።

ሓደ ኣብ ዕረፍቲ ዝነበረ ፖሊስ ኻልኦት ሰባት ከምልጡ ወይ ንኻልኦት ከውሊ ይህብ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተቐቲሉ።

ድሕሪ እቲ ቅትለት ሰባት ንዝቖሰሉ ደም ንምልጋስ ነዊሕ ሪጋ ሒዞም ተራእዮም።ናይ ዋይት ሃውስ ሓላፊት ፕረስ ሳራ ሃካቢ ኣሜሪካዊያን ንናይ ላስ ቬጋስ መጥቓዕቲ ዝሃብዎ ግበረ መልሲ ንኢደን።

“እዚ ክትሓስቦ’ዃ ዘፀግም ተግባር ኣብ ዝተፈፀመሉ እዋን ሰባት ዘርኣይዎ ፍቕሪ ካብ ኣእምሮኻ ፈፂሙ ዝጠፍእ ኣይኮነን።ኣብነታዊ ተግባሮም ኣሜሪካዊ መንፈስ ፈፂሙ ዘይስበር ምዃኑ ነባሪ መዘኻኸሪ እዩ።”

ዳዒሽ እቲ ቀታሊ ኣብ ቀረባ ናብ እስልምና ዝተቐየረ እዩ ክብል ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ከምዝወስድ ብኣገልግሎት ዜንኡ ኣዊጁ’ሎ።መርመርቲ ግን ኣብ መንጎ ተጠርጣሪን ዝኾነ ይኹን ጉጅለን ርክብ እንተነይሩ ክረኽቡ ኣይክኣሉን።

ነዚ ብዝምልከት ፖሊስ ጆሴፍ ሎምባርዶ ከምዚ ይብሉ።

“እዚ ውልቀ ሰብ በይኑ ዝተንቀሳቐሰ ብምዃኑ ዝተፈፀመ ነገር ብከመይ ምክልኻል ከምዝክኣል ኣይፈልጥን እየ።”

ምፅዋት ቁማር ካብ መጠን ንላዕሊ ዝፈቱን ክቡራት ብሽኩቲ ኣብ ፍሎሪዳ ናብ ዝርከባ ወላዲት ኣዲኡ ምልኣኽ ዘዘውትርን ሃብታም ሰብ ከምዝነበረ ስድርኡ ይገልፁ።

ሓዉ ነቲ ቀታሊ ኤሪክ ፓዶክ “ሓወይ ከምዚ ዝበለ ተግባር ፈፂሙ? ማለተይ ስቕ ኢሉ ከምዝነጠበ ነገርኮ እዩ፤ትፈልጥ ዲኻ? ከምቲ ቶኲሱ ዝቐተለና ዓይነት ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ዘሎ።ማለተይ ንደቀይ እንተቐቲሉዎም እውን ዝገርም ኣይኮነን።”

እዚ ዳሕረዋይ ሓደጋ ልዕሊ ፖለቲካዊ መኽሰብ ጃምላዊ መቕተልቲ ንምክልኻል እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ሓድሽ መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ’ሎ።ናብ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ዝኣትው ቦርሳታትን ሻንጣታትን ምፍታሽ ብረት ንከይኣትው ክትከላኸል ይኽእል እዩ፤ናይ ላስ ቬጋስ ተጠርጣሪ ግን ነቶም እኩባት ሰባት ኣፀቢቑ ካብ ዘርኢ ናይ ሆቴል ክፍሊ እዩ ጠያይቲ ኣዝኒቡ ይብሉ ተንተንቲ።ዴቪድ ካትዝ ግሎባል ሰኩሪቲ ግሩብ ተባሂሉ ናይ ዝፅዋዕ ትካል ፈፃሚ ስራሕ እዩ።

“እዚ ዝተፈለየ እዩ።ኣዳለውቲ ናይቲ ሙዚቃ ምርኢት ከምዚ ዝበለ ናብ ሓደ ሆቴል ኣቲዩ ክፍሊ ንዝሓዘ ሰብ ደው ከብሉዎ ዘኽእሎም ተኣምር የለን።”

እቲ ቶኳሲ ስቲፌን ክራይግ ፓዶክ ዝተብሃለ 64 ዓመት ዝዕድሚኡ ጡረተኛን ነባሪ መስኲት ኔቫዳን እዩ።ዓብየቲ ብረት ሓዊሱ ኣስታት 20 ጠበናጁ ኣብ መንበሪ ገዝኡን ናይ ሆቴል ክፍሉ ከምዝተረኽበ’ውን ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ጠንቂ መጥቃዕቲ ላስ ቬጋስ ክሳብ ሕጂ ከምዘተፈልጠ ተሓቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:10 0:00

XS
SM
MD
LG