መቐለ —
ሳልሳይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ሎሚ ሕዳር 29 /2010 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ተጀሚሩ፡፡ በኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ ዝተዳለወ ዋዕላ፤ ቋንቋታትና ንኩለ መዳያዊ ህዳሰና ብዝብል መራሒ ሓሳብ እዩ ዝሳለጥ ዘሎ፡፡
ኣብዚ ዋዕላ ብሓፈሻ 18 ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ውፅኢታት ምርምር ብሙሁራት ቋንቋታት ትግራይ ክቐርቡ እዮም፡፡ ኣብዚ ቋንቋታትና ንኩለ መዳይ ህዳሰና ብዝብል መራሒ ሓሳብ ዝሳለጥ ዘሎ ዋዕላ ካብ ትግራይን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሃገርናን ዝመፅኡ ሙሁራት ቋንቋታት ትግራይ ይሳተፉ ምህላዎም ይፍለጥ፡፡
ሳልሳይ ሃገራዊ ቋንቋታት ትግራይ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንሰለስተ ማዓልታት ክሳብ 1 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ክፀንሕ ምዃኑ ዝወፅአ መርሐ ግብሪ የመላኽት፡፡
ካልኣይ ሃገራዊ ዋዕላ ቋንቋታት ትግራይ ካብ 27 ክሳብ 29 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኣክሱም ከምዝተኻየደ ይዝከር፡፡