ናይ ሕ/ሃ ጸረ ምግፋሕ በረኻነትን ቤት ምኽሪ መጻኢን፣ ምሩጽ ፖሊሲ ምሕዋይን ምክንኻንን ከባቢ ተግቢራ ኢሉ ንክልል ትግራይ ኢትዮጵያ ሜዳልያ ወርቂ ተሸላሚት ኮይና ከምዝበሉ ዝዝከር'ዩ።
‘እዚ ክብሪ’ዚ፣ ነቲ ብደረጃ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ተተግቢሩ ናእዳ ዝረኸበ ውጽኢት ምሩጽ ፖሊሲ ናብ መላእ ክልልን ሃገርን ንምብጻሕ ዓቕሚ ዝፈጥር፣ ንጻማ ራሃጽ ህዝቢ ትግራይን መሪሕነቱን ዘራኢ’ዩ’ ኢሎም ዶ/ር ኣትንኩት መዝገቡ።
ሓረስታይ ገ/ሚካኤል ግደይ (ኣባ ሓዊ) ካብ ኣብራሃ ወ ኣጽባሃ ክልተ ኣውላዕሎ ብወገኑ ‘ክልል ትግራይ ብስራሕቲ ምሕዋይ ከባቢ ዓለምለኸ ሽልማት ምርካባ’ ዝጽበዮ ዝነበረ እዩ’ ይብል።
ናይ ሰላሳ ዓመት ተመክሮ ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ዝጸንሖ ‘ኣባ ሓዊ’ ጻዕሪታት ህዝቢን ውጽኢትን ኣብ ምሕዋይን ከባቢ ብሰፊሑ ኣዕሊሉና ኣሎ። ካልእ መዓልቲ ክነቅርበልኩም ኢና።