መቐለ —
ምምሕዳር ከተማ መቐለ ክሳብ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ብዝነበሮም ተሳትፎ ናይ አካል ጉድኣት ዘጋጠሞም ልዕሊ 1- ሽሕ አባላት ሰራዊት መሬት መንበሪ ንምሃብ ዝተለሞ ሓረስቶት ንክመዛበሉን ነበርቲ እውን ዝብትን ኣካይዳ እዩ ብምባል ውደብ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ ተቓዊሙ።
ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ውድብ ኣብርሃም ፅጌ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ “ብሽም ጉድኣት ጉድኣት ኲናት ወራር መሬት ይፍፀም ኣሎ” ኢሎም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምሕደራን ቑፅፅርን መሬት ከተማ መቐለ ኣይተ ገብረሚካኤል እኑን፣ ንጉድኣት ኲናት ብሕጊ መሰረት ንመንበሪ ገዛ መሬት ከምዝወሃቦም ብምግላፅ ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝክለሉ ከባቢታት ዝነብሩ ሓረስቶት ናብርኦምም ንምምሕያሽ ብዘኽእል መንገዲ ክስራሕ እዩ ኢሎም።
ቅጥዒ