ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሓደጋ ማእኸላይ ባሕሪ ዝደሓኑ ነቲ ሓደጋ ዝተዋህበ ምላሽ ክምርመረሎም ይሓቱ`ለዉ


Italy Migrant Deaths
Italy Migrant Deaths
ካብታ ኣብ ማእኸላይ ባሕሪ ዝጠሓለት ጀልባ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ዝደሓኑ ሰባት ነቲ ሓደጋ ዝተዋህበ ምላሽ ሓለውቲ ወሰናስን ባሕሪ ጣልያን ብዝምልከት ፅዑቅ ምርመራ ክግበር ይሓቱ'ለው።

ሎሚ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ዘዘራረቦ ሓደ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝዸሓኑ ሙሴ ዮሃንስ፣ ሓለውቲ ወሰናስን ባሕሪ ጣልያን ነቲ ሓደጋ ደንጉዩም'ዩም ምላሽ ሂቦምሉ ክብል ገሊፁ።

ኣስዒቡ ክልተ ጀላቡ'ውን ክልተ ጊዜ ዘይረናና ሓሊፈን እቶም ሓለውቲ ባሕሪ'ውን 50- ደቃይቅ ደንጉዮም መፂኦም፣ ስለዚ ይመርመረልና ይብሉ'ለዉ።

እዚ'ውን ነቶም ናብታ ደሴት ላፐዱዛ ብምኻድ ምስቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ዝተራኸቡ ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን ከምዝነገርዎምን እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ጣልያን'ውን እቲ ጉዳይ ከም ዝምርመር ከም ዝገለፁሎም ሓደ ካብቶም ዝደሓኑ ዝኾነ ሙሴ ዩሃንስ ገሊጹ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፁ ኤርትራውያን መንእሰያት ናብታ ደሴት ብምኻድ ነቶም ዝደሓኑን ንሬሳታት'ቶም ግዳያትን ንምንዳይን ንምልላይን ናብ ላምፐዱዛ ንዝተጋዕዙን ይሕግዙ ከም ዘለው ሓደ ካባአቶም ዝኾነ ሲራክ ባህልቢ ገሊፁ'ሎ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
TIG-Lampadusa
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:30 0:00
መራገፊ

ተዛማዲ

XS
SM
MD
LG