ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተር ሕርሻ ደቡብ ሱዳን ካብ መዝነቱ ብፍቓዱ ተሰናቢቱ


ሚኒስተር ሕርሻን ውሕስነት መግብን ዝነበረ ላም ኣኮይ
ሚኒስተር ሕርሻን ውሕስነት መግብን ዝነበረ ላም ኣኮይ

ሓደ ካብ ኣባል ተቓወምትን ሚኒስተር ሕርሻን ውሕስነት መግብን ደቡብ ሱዳን ላም ኣኮይ ንሓድሕድ ኩናት ከዕርፍ ዝተኣትወ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ሱዳን ከምዝፈረሰ ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዘፍለጠ ሎሚ ሰኑይ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ጋዜጣዊ መግለጺ ክኸውን እንከሎ: ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ካብ ዝመርሖ ሓባራዊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ዝተዋህቦ መዝነት ብፍቓዱ ከምዝተሰናበተ ድማ ሓቢሩ።

"ኣብ ጁባ ዝትግበር ስምምዕ ሰላም የለን" ዝበለ ሚኒስተር ሕርሻን ውሕስነት መግብን ነበር ደቡብ ሱዳን ላም ኣኮይ: ብፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ዝመራሕ ሓባራዊ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ስልጣን ክገድፍ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ላም ኣኮይ መራሒ ምንቕስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ክኸውን እንከሎ: ካብቲ ዝመርሖ ውድብ ስልጣኑ ከምዝለቐቐ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ'ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ላም ኣኮይ: ኣብ ደቡብ ሱዳን ናጻ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሃዋህው ከምዘየለን ቅኑዕ ዝኾነ ሰላም ኣብታ ሃገር ክዓስል እንተኾይኑ ድማ: ካብታ ሃገር ወጻኢ ምውዳብ ከምዘድሊዩ ኣብቲ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ቀንዲ ተቓዋሚ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪርን ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረን ሪክ ማቻር ዝሓለፈ ግዜ ድሕሪ ምስዋሩ: መተካእትኡ ሓድሽ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ምስያሙ ይዝከር።

ሚኒስተር ሕርሻ ደቡብ ሱዳን ካብ መዝነቱ ብፍቓዱ ተሰናቢቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:10 0:00

XS
SM
MD
LG