ደሴ —
ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ኣብ ግጭት ዘለዉ ዕጡቓት ናብ ሰላም ክመጹ ዝሓትት ሰላማዊ ሰልፍ ሎሚ ሓሙስ 12 ታሕሳስ 2024 ኣብ ከተማ ላሊበላ ዞባ ሰሜን ወሎ ምክያዱ ተገሊጹ።
ኣብ`ቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘሎ ናይ ጸጥታ ጸገም ምንቅስቓስ ቱሪዝም ተዓናቒፉ ድሕነት ሰባት`ውን የንቆልቁል ምህላው ሰልፈኛታት ምግላጾም ዝመጻና ዜና የመልክት።
እንተኾነ እቲ ሰልፊ ብትእዛዝ መንግስትን ብኣስገዳድን እምበር ብድልየት ህዝቢ ዝተዳለወ ኣይኮነን ክብሉ ንድምጺ ኣመሪካ ዝሓበሩ ወገናት`ውን ኣለዉ።
ምምሕዳር ከተማ ላሊበላ ብወገኑ፡ እቲ ሰልፊ ምስ ጎረባብቲ ወረዳታት ብምትሕብባር ዝተዳለወ`ዩ ብምባል ብፍቓደኝነት እምበር ብግዴታ ኣብ ሰልፊ ዝተሳተፈ የለን ክብል ምላሽ ሂቡ።
ቅጥዒ