ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሞትን ስደትን ስቪላት ሰባት ኣብ ትግራይ (ካልኣይ ኽፋል)


ኣብ ዓለምለኸ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዳይረክተርቀርኒ ኣፍሪካ ላቲሻ ባደር ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ብኣካል ከይዳ ዝርኣየቶን ካብቶም ስደተኛታት ዝሰምዓቶን ክትገልፅ ከላ መብዛሕቲኦም ዝሰነድናዮ እቶም ስደተኛታት ኣብ መጀመሪያ ሰሙናትእቲ ወግእ ኣዚዮም ዝተሃሰዩ ካብ ምዕራብ ትግራይ እዮም ኢላ።

ኣዚዩ ብዙሕ ምምዝባል ሰላማዊያን ሰባት ስቪላት ኣብ ዝነብርሎም ከባቢታት ከቢድ ደብዳብ ብረት ስዒቡ ድማ መጥቓዕቲ ሰራዊት ምክልኻልን ተሓባበርቶምን እውን ሪፖርት ረኺብና ኢና ኢላ።

‘’ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ብዙሕ ወራር\ስርቂ\፣ብፍላይ ፍሉይ ሓይሊ ብዝብል ሽም ዝፍለጡ ዕጡቓት ሓይልታት ፖሊስ ጎረበት ክልል ኣምሓራን ፋና ተባሂሎም ዝፅዋዑ ጉጅለ ሚሊሺያን ናይ ውልቂ መንበሪ ኣባይቲን ናይ ንግዲ ትካላትን ዘረፋ እዚ ጥራሕ ከይኮነስ ናይ ሕርሻ ፕሮጀክታት’’ትብል። ‘’ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምስ ወዓላ ዝተሰነደ ዘይሕጋዊ ቅትለት ኣብ ምዕራብ ትግራይ ካብ ዝሰነድናዮም ገሊኦም ተርእዮታት እዮም።ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል መብዛሕቲኡ ብሓይልታት ኤርትራ ተፈፂሞም ዝብሃሉ ተመሳሰልቲ መግሃስቲ ክንምርምሮ ሪፖርት ክበፅሐና ጀሚሩ ኣሎ’’ ኢላ።

ከባቢ 9 ሕዳር ኣማእቲ ሰባት ዝተቐተልሉን ጭካነ ዝተምልኦ ጭፍጨፋን ኣብ ከተማ ማይ ካድራ ምፍፃሙ ዘጥራጥር ኣይኮነን ዝበለት ባደር ።‘’ካብታ ከተማ ዝሃደሙ ብዙሓት ዘዘራረብናዮም ስደተኛታት ኣማእቲ ዝሞቱ ሰባት ተተኵሱዎም ዝተቐትሉ ጥራሕ ከይኮነስ ብካራ፣ብማዕፅድን ገጀራን ተወጊኦም ወይ ተተልቲሎም ብዓይኖም ከምዝርኣዩ ገሊፆምልናኣለው።ዘዘራአብናዮም ውልቀሰባት ከምዝበሉና ክልቲኦም ብሄራት ኣምሓራን ትግራይን ከምዝተህቀትሉ እዩ።ስራሕ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትኢትዮጵያ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ።ብሰፊሑ ብሕቡራት መንግስታት ዝመራሕ ምርመራ ክካየድ ኢና ንፅውዕ ዘለና’’ ክትብል ሓቲታ።

እዚ ግጭት እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዓለም ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ኣብ ፀልማት ዝተኻየደ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን ዝበለት ላቲሺያ ባደር መብዛሕቲኦም ዘዘራረብናዮም ስደተኛታት ካብ ስድርኦም ዝኾነ ይኹን ሓበሬታ ኣይሰምዑን ዘለው ክትብል ሓቢራ። ‘’ወለዲ ንደቆም ይደልዩ ሰብኡት ንኣንሽቶም ይደልዩ ድሮ ኣእምርኦም ዝተረበሹ እሞ ድማ ንዝተመዛበሉ ሰባት ኣዚዩ ኣፀጋሚ እዩ’’ ክትብል ሓቢራ።

ምዕፃው ኮሚኒኬሽን ጋዜጠኛታት ስርሖም ከይሰርሑ ከልኪሉ ጥራሕ ከይኮነስ ከማና ዝበሉን ኣብቲ ክልል እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ክስንዱ ንዝደልዩ ካልኦት ውድባትን ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ብምግላፅ ተዋጋእቲ ወገናት ከመይ ዝበለ ሓበሬታ ክቐርብ ከምዘለዎ ኣብ ምውሳን ፌደራል መንግስቲ ብሒቱ ምሓዙ ምዃኑ ኣፀጋሚይገብሮ ኢላ።

እቲ ምዕፃው ኮሚኒኬሽን ብኩሎም ተዋጋእቲ ወገናት ዝፍፀሙ መግሃስትታት ብፌደራል ሓይልታትን ተሓባባርቱን ዝፍፀም መግሃስትታት ጥራሕ ከይኮነስ ብናይ ህወሓት ሓይልታት ዝፍፀኑ መግሃስትታት ኣብ ምስናድ ተፅዕኖ ኣለዎ ክትብል ገሊፃ።

እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር ልዕሊ60 ማዕልታት ኣብቲክልል ቕትለት፣ዕንወትን ራሰያን ንብረትን ታሪኻዊ መስጊድ ኣል ነጃ ሓዊሱ ምዕናው ሓድግታትን ይፍፀም እዩ ዘሎ።

ምሉእ ተሕዝቱኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሞትን ስደትን ስቪላት ሰባት ኣብ ትግራይ (ካልኣይ ኽፋል)
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:10 0:00


XS
SM
MD
LG