ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮንፈደረሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ሰልፊ ንምክያድ ምኽልካሉ ይሕብር


ኣቶ ካሳሁን ፎሎ-ፕረዚደንት ኮንፈደሬሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ
ኣቶ ካሳሁን ፎሎ-ፕረዚደንት ኮንፈደሬሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ

ኮንፈደሬሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰላማዊ ሰልፊ ከይገብር ምኽልካሉ ኣፍሊጡ። ፕረዚደንት እቲ ማሕበር ኣቶ ካሳሁን ፎሎ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ-መሕትት፡ ኣብቲ ብምኽንያት ዓለምለኸ መዓልቲ ሸቃሎ ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተፈላለዩ ናይ ሰራሕተኛታት ሕቶታት ንመንግስቲ ንምቕራብ መደብ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ካብ መንጎ እቶም ክቐርቡ ተባሂሎም ዝነበሩ ሕቶታት፡ ግብሪ ይጉደል፡ዝተሓተ ደረጃ ወርሓዊ መሃያ ይወሰን፡ መሰል ውዳበ ሰራሕተኛታት ይከበር ከምኡእውን ንኤጀንሲታት መራኸቢን ኣስራሕን ሰራሕተኛታትን ኣመልኪቱ ዝወፀ መምርሒ ብቕልጡፍ ይተግበር ዝብሉ ከምዝርከብዎም ኣቶ ካሳሁን ሓቢሮም።

እንተኾነ፣ እቲ ኮንፈደሬሽን መዓልቲ ሸቃሎ ከኽብር ዘይኮነ ካልኦት ሕቶታት ንምቕራብ እዩ ሰላማዊ ሰልፊ ዝፀወዐ ተባሂሉ፡ ብቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን ኣዲስ ኣበባ ከምዝተኸልከለ ኣቶ ካሳሁን ጠቒሶም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብቲ ቤት ጽሕፈት ሰላምን ፀጥታን ኣዲስ ኣበባ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን። ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግን ነቲ ሎሚ ዝተኸበረ ዓለምለኸ መዓልቲ ሸቃሎ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ሰልፊ ከምዘይህልው ትማሊ ሚያዝያ 30,2023 ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG