ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላ ቶማቲና ተባሂሉ ዝፍለጥ ዓመታዊ ዝካየድ ፌስቲቫል ዳርባ ኮሚደረ ትማሊ 31ረቡዕ ነሓሰ ኣብ ምብራቓዊት ስጳኛ ዞባ ቫለንስያ ቁሸት ትርከብ ቡኖል ተኻይዱ።

ኣብ ፌስቲቫል ላ ቶማቲና ጽምብል ዳርባ ኮሚደረ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተኣኻኸቡ ኣስታት 20 ሽሕ ህዝቢ ተሳቲፎም ነይሮም። 160 ቶን ኮሚደረ ድማ ብ ሽዱሽተ ዓበይቲ መካይን ተጻዒኑ ናብቲ ናይ ዳርባ ኮሚደረ ቦታ ከምዝተቐረበ ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

እዚ ኣብ ስጳኛ ዝካየድ ከም ስፖርት ዝፍለጥ ህቡብ ዳርባ ኮሚደረ: ዝኾነ ሓላፊ መንገዲ ዝሳተፎ ክኸውን እንከሎ: ኮሚደረ ተመናጢልካ ብምሓዝ ኣብ ልዕሊ ብጻይካ ወይድማ ኣብ ቅድሜኻ ንዝጸንሓካ ብዘይ ኣፈላላይ ደርቢኻ ብምህራምዩ ዝካየድ።

ተሳተፍቲ: ኣብ ፍጻመ ናይቲ ጸወታ ዳርባ ኮሚደረ ኣብ ናይ ሓባር መሕጸቢ ብምኻድ ንዝተበላሸወ ኣካላቶም ከምዝሕጸቡ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

እዚ ፌስቲቫል ዳርባ ኮሚደረ ኣብ ስጳኛ ኣብ 1945 ንዝተኸስተ ሕጽረት መግቢ: ህጻናት መግቢ

ንምርካብ ንዘካይድዎ ዝነበሩ ምምንጣል ኮመደረ ድማ የዘኻኽር። ንዝሓለፈ 70 ዓመታት ድማ ብተኸታታሊ ከምዝተኻየደ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኣብቲ ብመልክዕ ፌስቲቫል ዝግበር ዳርባ ኮሚደረ ንምስታፍ 10 ዩሮ ወይድማ 11 ዶላር መእተዊ ክፍሊት ይሓትት።

XS
SM
MD
LG