ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ኣብ ዝሓለፉ ስሳ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ደርቂ ተወቂዑ‘ሎ።ኪኢላታት፣እቲ ኣብ ርሕቀት ፍርቂ ዓለም ዝርከብ ውቅያኖስ ፓሲፊክ ዝፍጠር ክስተት ላ-ኒኖ፣ብዝተወሰነ መዐቀኒ ጠንቁ ምኻኑ ይኣምኑ።ዳሕረዋይ ክስተት ኣል-ኒኖ እዋኑ ዝሓለፎ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣብ’ዘን ተኸታተልቲ ኣዋርሕ እንታይ‘ኮን የምፀአልና ዝብል ሻቅሎት ኣለዎም ሳይንቲስታት ኩነተ-ኣየር።
ላ-ኒኖ ዝፍጠር፣ማያት ውቅያኖስ ፓሲፊክ ጥቃ ኢኳቶር፣ልዕሊ እቲ ዝግበኦ ክቆርር ከሎ‘ዩ።ኣብ መጠን ሙቀት ውቅያኖስ ለውጢ ምስ ዝጋሃድ፣ ህቦብላ ንፋስ ይላዓል፣ሳዕቤኑ ድማ ኣድማሳዊ‘ዩ።ዳሕረዋይ ክስተት ላ-ኒኖ ብሓምለ‘ዩ ጀሚሩ።
ኣብ ሃገራዊ ትካል ኩነተ-ኣየር ዩ-ስ ዝሰርሕ ዋሲላ ታው፣ንሰንሰለታዊ ርክብ ለውጢ ኣየር ይገልፅ።
”ንኣብነት ናብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ጥሉል ኣየር ከምፅእ ዝነበሮ ምብራቃዊ ንፋስ ነክዩ‘ሎ።ናብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ትሑት ዝመጠኑ ጥሉል ኣየር ስለዝነከየ ድማ፣መጠን ዝናብ ትሑት ኮይኑ‘ሎ”ይብል ንሱ።
ካብ ዓሚ ጀሚሩ ዝኽሰት ዘሎ ፀገም‘ውን ንሱ‘ዩ ይብል ሚስተር ቲያው። በዚ ምኽንያት‘ዚ‘ዩ፣መጠን ዝናብ ኣብ ሶማልያ፣ደቡባዊ ኢትዮዽያን ሰሜናዊ ኬንያን ዝነከየሉ ምኽንያት ምኻኑ ሓበረ።
ሚስተር ትያው፣ነቲ ንኩነተ-ኣየር ኣፍሪቃ ዝከታተል ቢሮ‘ዩ ዝመርሕ።ንሱ ክዛረብ ከሎ፣ካብ መጋቢት ክሳብ ግንቦት ኣብ‘ቲ ዞባ ዝወቅዕ ካልኣይ ወቅቲ ዝናብ ምህላው ይጠቅስ።
ካብ 4 ክሳብ 5 ዓመት እናተበራረዩ ንህዝቢ የሳቕዩ